^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 57 guests and no members online

ብምኽንያት  ባሕቲ መስከረም  ምጅማር  ብረታዊ  ቃልሲ  ሰውራ  ኤርትራ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ, ብ,በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ, ብጅግንነት ዝደየባ, ነታ ናይ ኣዳል ታባ, ኤርትራ ዓዲ ጀጋኑ ጉድ ረኺባ, ናበይ ንምብጻሕዩ, ካብ ሌባስ ተቐባሊ ሌባ, ኣዳል ዝበሃል, የሎን ታባ ይኹን ሩባ, ዝብል ዘረባ,  

ኣዳል ፈላሚት ጥይት ዝተተኮሰታ ታባ, ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ፡ብጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪ ዓዋተ, ብ61 ባሕቲ ምስከረም ንነጻነት ዝተተለመ ትልሚ, መበል 56 ዓመቱ ንብዕል ኣለና ሎሚ፡ዝሐበረ ፈትሊ ኣንበሳ ይኣስር, ዝሐበረ ህዝቢ ዓወት የበስር፡

ነዚ ኣይኮኑን ዓዋተ ዝመራሒኦም,ማእለያ ዘይብሎም, ጅግንነት ፈጺሞም ዝወደቑ, ወዲ ዓሻ ክልተ ግዜ ይጽፋዕ, ጠንቂ ስደትና ምኽሪ ቀዳሞት ዘይምስማዕ, ብለመጭ መልሐሶም ስለ ንዝጋዕ, ፈላልዮምና እኒ ካዳዕ, ንሐደ ዕላማ በበይንና ንብል ዓዕ,

መንእሰይ ማዕዳ ቀዳሞት እንተ ዝሰምዕ ንርእሱ ምሐሾ, መፍተት   ኣዛብእ ኣይምኾነን መፍተት እኒ ኣብሾ, ኣብ ዓዱ ሂወቱ ምዓቀበ እንበር, ኣይምጠመተን ሃብቲ ስግር ማዕዶ, ጸላእትኻ ኣለሊ ሃብታም ዩ ሜሬትካ ኣይበልናን ዶ፡

ቅድሚ 26 ዓመት ብጅግንነት ዝበረቐት ጸሐይ, ቅድሚ ቅዋም ምስ በዝሔ ንዓይ ንዓይ,ዓደባና ኣትይዎ ጉልሐይ,ሃገር ብዉሑዳት ምስ ተወነነት, ህዝቢ, ሲኢኑ ቅሳነት, ገለ፡ ንገፋዒዖም ምስ ኣፍቀሩ, ዓመታት ነዊሑ ሐርነት በዂሩ,

ክንዲ,ንጥርነፍ ብጉጅለታት ተመቓቒና, በበይኑ ምስ ኮነ ጭርሖና, ቀሲኖም ይድቅሱ ኣለዉ ጸላእትና, ኣነ ግና ድቃስ ኣብዩኒ ከየበልኩ ሰለም, ብርዔይ ወዲኣ ቐለም, መስከረም መዓስ ኢና ሐርነት ንግዘም፡፡

ንጉዳይ ሃገር ዶ ብኣውራጃ ብቢሄር ትውደብ, ናይ ሐባር ጸላኢ ረሲዕካ ብዓሌት ትዛረብ, በበይንኻ ዳስ ንግበረሉ ገደብ, ሃይማኖትና ኣብ ክልተ ተመቒሉ, እቶም ሐደ ንህዝቢ ኤርትራ ይጽዩሉ, እቶም ሐደ ንውቀ መላኺ ንበረልና ይብሉ፡

ካብ ያዕ በሎ ያዕ ንበሎ ይቐልል, ኣደታት ክብላ ዕልል, ንህግደፍ ኣሊና ኣብ ጎደና ሐርነት ክንዘልል,፡ደጊም ብጀካ ስምዕታ, የሎን መጸዋዕታ, ያኣክል በበይንኻ ምህራም እንብልታ,,

ምስ ህግደፍ የለን ምስተርሆ, ካብ ምሸት ናብ ንግሆ,ጭርሖና ይኹን ናይ ሐባር ጭርሖ፡ ዝተዓጸወ ህድሞ ክረሖ, ቃልሲ ውጹዓት ክትግበር, ኣይንማቓቐል ብሐባር ንፈር, ኣርዑት ከዳዓት ክስበር, ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ክትግበር, ኣብዚ ዝሐለፈ, 56 ዓመታት, ኣጋጢሙና ብዙሕ ዕንቅፋት, ነጻናትና ኮይኑ ንጠቕሚ ዉሑዳት፡

ህዝብና ን56 ዓመት ኣብ ቃልሲ, ወጊሑ ክሳብ ዝመሲ, ንጠቕሚ ክልተ ጎራሐት ክነሳሲ፡ መጸዋዕታ ንደንበ ተቓውሞ,መስከረም ነዓመታ ኣብ ዓድና ክነሕልፎ, ኢደይ ኢድካ ኢልና ንኢሰያስ ንጉሐፎ, ወይ ንቃለስ ኣለና ምባል ንግደፎ፡

ደቂ ኤረይ ንህግደፍ ክንምክቶ, ኣብ ባሕቲ መስከረም ቃል ንእቶ, ሕጂ ንመን ኢና መሰል ንሐቶ, ቃሕ ዝበለና ክንዛረብ, ብቅዋም ዝምእዘዝ ምስ ተኸልና ባይቶ፡

ህዝቢ ኣያ ሲኢኑ ይስደድ, ጸረ ምልኪ ክንዲ ንጸምድ,በበይንና ሐዊ ኣይንእጎድ, ዕምሪ ገፋዕቲ ክሐጽር, ንጠቕሚ ደቂ ሃገር, ምስ ወዓለ ሃብቲ ሃገር, ሹዑዩ መሰል ሃይማኖትና,ኣውራጃታትና,ቢሄራትና፡መሰል ድላይካ ምዝራብ ዝኸውን ክበር ተኻባበር፡

ኣብ ባሕቲ መስከረም, መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ, ነዚ ይመስል ትሕዝቶ ግጥመይ, ምስ, ዝዓበኹምን ዝነኣስኩምን ደቂ ኤረይ, ሰሰናዩ ምምናይ፡ ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ,፡ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,፡ ዕንወት ንጭፍራ ህግደፍን ዓንገልቶምን፡፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox