^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 63 guests and no members online

ዓበይቲ ክንሶም ናይ ዓቢ ዘይገብሩ እንታይ ይበሃሉ?

ኣብ ግዜ ቁልዕነት ትዛረቦን ትሰርሖን ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ኣየኽፍእን። ምስ ደረጃ ዕድመን ብስለት ኣእምሮን ብምንጽጻር ስለ ዝልካዕ በቲ ሕብረተ-ሰብ ዝወሃብ ገምጋም ቅቡልን ናብ ኣወንታ ዝዘንበለን’ዩ። ቆልዓ ኮይንካ ኣቕሓ እንተሰቢርካ፣ ሰብ እንተተጻሪፍካ፣ እንተተባኢስካ፣ ጥራሕ ናብስኻ እንተኸድካ ….ወዘተ ነውሪ ከምኡ ኣይግበርን፣ ድሕሪ ሕጂ ንዓቢ እንተተዳፊርካ፡ ንሰብ እንተተጻሪፍካ፡ እንተተባኢስካ፡ ብዘይክዳን ደገ እንተወጺእካ፡ ዘይንብረትካ እንተልዒልካ ኣሲረ ክገርፈካ’የ ገዛ ኣያትወካን’የ፡ ከምዚ ኣይገዝእልካን ወይ ኣይህበካን’የ ይበሃለካ። ብምኽርን ምፍርራሓን ካብ ዘየድሊ ነገር ክትእረም ደረጃ ብደረጃ ሕማቕን ጽቡቕ እናፈለኻ ክትከይድ ትሕገዘሉ ግን ብኽፋእ ብሕማቕ ዘይትመዘነሉ ኩሉ ጽቡቕ’ዩ።

ዕድመ ቁልዕነት ወዲእካ፡ ብኣካልን ብኣእምሮን በሲልካ ናብ ኮተትየ ብኡ ኣቢልካ ናብ ምሉእ ናይ ንእሰነት ዕድመ ምስተሰጋገርካ ንትፍጽሞ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ተግባራት’ውን ባህልና ብፍሉይ ኣገባብ’ዩ ዝሪኦን ዘተኣናግዶን። ትምህርትኻ ብግቡእ ትከታተል፣ ንወለድኻ ትምእዘዝ ትሕግዝ፡ ሕብረተ-ሰብ ብኣወንታ ንዝቕበሎ ተኽብር፡ ንዘይቕበሎ ትጽየን፣ ፈታዊ ስራሕን ጸወታን እንተደኣ ኮይንካ ዝግባእ ክብርን ቦታን ይበካ። ክሳብ “ኣደ ንዓኻ ወሊዳ ትምከን” ፡ “ክንድሽሕ” ፡ ሓበን ዓድና ተስፋ ዓድና እናበለ የመጉሰካ። ነዞም ኣወንታዊ ተግባራት እዚኣቶም ምስ ዘይተኽብር፡ ብኣንጻሩ ምስ እትኸይድ ከኣ፡ ደሓን ዕድመ’ዩ ከምኡ ዝገብሮ ዘሎ ጸኒሑ ክገድፎ’ዩ ለውጢ ክገብር’ዩ፡ ኣይትድሃልዎ ኣይትነጽልዎ ኣተባብዕዎ እናበለ የሳልየካ።

ዕድመ ህጻንነት፣ ቁልዕነት፣ ኮተትየነት፣ መንእሰይነት ወዲእካ ናብ ማእከላይ ዕድመ ምስተሰጋገርካ ንትፍጽሞ ሕማቕን ጽቡቕን ተግባራት ግን፡ ነቲ ጽቡቕ ብጽቡቕ ተቐቢሉ ዘተባብዕ፡ ነቲ ሕማቕ ብሕማቕነቱ ዝኹንን ዘወግዝ ደኣምበር ከም’ዚ ስለዝኾነ ኢሉ’ዩ ዘቀባጥረሉ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ዕድመ ገዛእ ርእሱ ሕማቕን ጽቡቕን ትፈልየሉ፡ ህይውትካ ብግቡእ ተመርሓሉ ተመሓድረሉ ቤት ትምህርቲ ስለዝኾነ። ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ትምህርቲ መዓስን ብከመይን ከም ዝተጀመረ ኩላትና ንፈልጦ ይመስለኒ። እንተኾነ ቅድሚ ዘመናዊ ትምህርቲ ብሉጽ ወይ ንኡድ ናይ ዕድመ ትምህርቲ ከም ዝነበረ ኣብ ከከባቢኡ ዝነበሩ ብፍትሓውነቶምን ርቀት ኣገንዝበኦምን ዘመናዊ ሕግታት ዘይወዳደሮም ያታዊ ሕግታት ምስክር ከም ዝኾኑ፣ ከይብሉኒ፡ ታሪኸይ ከየበላሹ፡ ካብ ህዝበይ ካብ ወገነይ ከይንጸል፡ ንደቀይ ደቂ ደቀይ ሕማቕ ስም ከይገድፍ ዝብል ኣወንታዊ ስነ-ምግባር ስጡምን ገዛኢ ኣተሓሳስባን ምንባሩ፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣሰሩ መሊኡ ዘይሃሰሰ ካብ ናይ ህይወት ተመክሮ ዝተረኽበ ክብርታት ምንባሩን ምህላውን’ውን ብሓበን ክግለጽ ዘለዎ ሓቂ’ዩ።

ኣብ ዘይህላወ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ንቡር ኣወንታዊ ባህሊ ክህሉ፡ ዝነበረ ድማ ብግቡእ ክዕቀብ ስለዘይከኣል፡ ኣብ ዘይንቡር ህግደፋዊ ስርዓተ በጋሚዶ ብዙሓት ስሩታት ኣወንታዊ ክብርታት ኤርትራ ብብዙሓት ዘይንቡራት ሓደስቲ ተርእዮታት ክህረሙ፡ ቦታኦም ለቒቖም ነበረ ክኾኑ ንዕዘብ ኣለና። ገለ ሰብ ጸጋ ዕድመ ካብ ስሩት ኣወንታዊ ሕብረተ-ሰብኣዊ ክብርታት ኮብሊሎም ኣብ ገበን ዝሳተፍሉን ንገበነኛታት ዘተባብዕሉን ብስጊንጢርነቱ ኣዝዩ ዘሕፍር ኩነታት ንዕዘብ ኣለና።

ጉጅለ ህግደፍ ብርትዓዊ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ድጓና ክድርበ ‘ምበር፡ ከይወድቕ ትድገፈሉ፡ ክብረ ዝናኡ ተቀናጅወሉ፡ ሰላማዊ፡ ሕጋዊ፡ ደሞክራስያዊ፡ ህዝባዊ’ዩ እናበልካ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ወጺእካ መን ከምኻ ትብለሉን ትምስክረሉ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሃገራት ምዕራብ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ ውዕሎ ናይ’ዚ ገበናዊ ጉጅለ፡ ታፔላታት ኣንጠልጢሎም ዝተዳለወሎም ማልያ ለቢሶም፡ ቃለ-ማሕላ ከም ዝፍጽሙ ሽሞኛታት ሓጋዊ መንግስቲ፡ ዘዝትባህልዎ ክደግሙ ምስ ሰማዕኩ ገሪሙኒ። ነቲ ምስልን ድምጽን ደጋጊመ ሰሚዐዮን ተኸታቲለዮን። እቲ ድምጺ ንጸገማት ህዝቢ ዝምልከት መልእኽቲ ኣይነበሮን። ወዳሲ’ዩ። ሕጋውን ስሩዕን ፖለቲካዊ ህይወት ንዘይብሉ መንግስቲ ህግደፍን ኣብ ጥፍኣት ዜጋታት ኤርትራን መሸጣ ልኡላዊ መሬት ኤርትራን ንዝነጥፍ ዘሎ መላኺ ባእታ ኢሳያስን ዘመጎሱ’ዩ። ሓድሽን ናይ ሓድሽ ወለዶን ኣረኣእያ ኣይነበረን። እቲ ምስሊ ብዕድመ ዝተሸምረረ ገጽ፣ ዝሓፈሰ ነብሲ፣ ሕብሩ ዝቐየረ ጸጉሪ፣ ደልዲሉ ምርጋጽ ዝሰኣነ ኣብራኽ ዝዓብለሎ ኣኼባ ሽማግለታት’ዩ ነይሩ። መንእሰያት ብዙሕ ኣይረኣኹን። ዋእ እቶም ህግደፍ ኣየጥበወ፣ ኣይከደነ፣ ኣይቀለበ፣ ኣይምሃረ መንእሰያት ህግደፍ እናበለ ዝዋጥየሎምን ንመፈጸሚ ገበናዊ ተግባራት ዝወደቦም ደኣ ኣበይ ከይዶም ክብል ድማ ንነብሰይ ሓቲተያ።

ብዝኾነ ዘበኒያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዝበሃል በዞም ሰብ ጸጋ ዕድመ ወደስትን ሓብሓብቲ ምልክን ከም ሰብ ሓፊረ። ከም ኤርትራዊ ርእሰይ ኣድኒነ። ምስ ካልኦት ዜጋታት ርእሰይ ኣቕኒዐ ከይከይድ ተሰኪፈ። እዞም ሰባት ሕራይ ነብሶም ይፍተው፡ ብከብዶም ይሰስዑ፡ ነብሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም’ውን ይፍርሑ ግን ህዝቢ ‘ምበር መንግስቲ ነባሪ ከምዘይኮነ ከመይ ክርድኡ ኣይክእሉን? ኣብዘሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህግደፍ ዘለዎ ጽላኣት፡ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ገጢምዎ ዘሎ ተነጽሎ ከመይ ክረኣዮም ኣይከኣለን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ቅሉዕ ገበናዊ ተግባራት እናፈጸመ ህዝብና ሰላም ኣሎ፡ መን ከም መንግስትና ክብሉ እቲ ካብ ዕድመ ዝርከብ ትምህርቲ ኣብ ሎሚ በጺሑ እንታይ ኮይኑ ዘይሰርሐ መልሱ ሓርቢቱኒ። “ድሕሪ ኣርበዓ ዘርባዕባዓ” ዝብል ምስላ ዘኪረ፡ ሰብ እንተዓብዩን ኣእምሮኡ ርጉእ እንተዘይኮይኑኑ ናብ ቆልዓኡ’ዩ ዝምልስ ምስ ዝብል’ውን ከነጻጽሮ ፈቲነ። ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ብዙሓት፡ ብሓደ ግዜ ከመይ ዘርባዕባዕ ክብሉ፡ ብከመይ ንድሕሪት ናብ ብቆልዓኦም ክምለሱ ዝብል ሕቶ ከም እንደገና መጺኡኒ። ዛጊት ግን ዘዕግብ ምሉእ መልሲ ኣይረኸብኩን።

ምሁራትን ለባማትን ኣብ ግዜ እርጋን ተኣኪብካ ንግፉዓት ምኹናን ንገበነኛታት ምድጋፍ መበገሲኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል ንመልሱ ክተሓባበሩኒ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እላቦ። ብዝተረፈ ሓሳባይ ኣብ’ዚ ዛዚመ ክፍለየኩም ኣዳለይቲ ሰሙናዊ ዓምዲ መድረኽ ምስ ሓፋሽ፡ ደሓን ቀኒዩ።

ካብ ሓጎስ መሓመድ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 30-08-2017    

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox