^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ገዛ ርእሱ ሓራ ዘይወጸ ሰራዊት፡ ህዝቢ ሓራ ከውጽእ ትጽቢት ኣይግበርን።

ሓርነት፡ ካብ ትምክሕቲ፣ ጽበት፣ በለጽ፣ ስሰዐ፣ ኣድልዎ፣ ተንበርካኽነት፣ ዕሱብነት …ወዘተ ነጻ ዝኾነ፡ ገዛእ ርእስኻ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ምዃንካ ግቡእ ኣገንዝቦ ካብ ምሓዝ’ዩ ዝብገስ። ካብ ኩሉ ድሑር ስምዒታት ነጻ ኮይንካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ልክዕ ዝኾነ ሚዛን ክትገብር እንተበቒዕካ ሽዑ ንሽዑ ንጹር መንነት ክህልወካ’ዩ፡፡ ንስኻ ሰብ ብምዃንካ እንታይ እንተረኺብካ ትሕጎስ ትቐስን፡ እንታይ እንተስኢንካ ትሻቐል ትሓዝን ውሽጣዊ ሕልናኻ ስለ ዝነግረካ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕማቕ ኣረኣእያ ክህልወካ ኣይኽእልን። ሕቶ መሰል ንዘልዕሉ ወገናት፡ ከም’ቲ ንዓይ ንኻልእ ካብ ዝብል ቅኑዕ ሚዛን ተበጊስካ፡ ተመሳሳሊ ሓርነት ትምነየሎም ‘ምበር ኣይትጻበኦምን፡፡ ይኹን ግን ውሽጣዊ ሓርነት ስለ ዝተመነኻዮ ጥራሕ ትጎናጸፎ ጸጋ ኣይኮነን። ናትካ መንነት ክህልወካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ትተኣማመን ሓራ ሰብ ክትከውን ስድራ ቤታውን ሕብረተ-ሰብኣውን ኣተዓባብያ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ደሞክራስያውን ህንጸትን ናቱ ዘይነዓቕ ብጽሒት ኣለዎ። ቅንዕና፡ ፍትሓውነት፡ ሕጋውነት፡ ግሉጽነት፡ ሓባራውነት …ወዘተ’ውን ምስኡ ሓቢሮም ዝኸዱ ኣምራት’ዮም።

ካብ ኣወንታዊ ባህሊ ስድራ-ቤቱን ሕብረተ-ሰብን ተነጺሉ ዝዓበየ ቆልዓን፡ ብግበር ኣይትግበር ቀጢን ጨካን ደሃሊ ፖለቲካዊ ትእዛዝ ዝተመልመለ ወተሃደርን ዝተባህልዎ ሰሚዖም ብተግባር ዝፍጽሙ ደኣምበር፡ ናትና ኢሎም ዝከራኸርሉ ንጹር መንነት ክውንኑ ትጽቢት ኣይግበርን። ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ሓቂ መሲሉ ኣብ ዝተራእዮም ንመንነቶም ዝገልጽ ተባዕ ውሳነ ከይወስዱ፡ ክሓርይሉን ክውስንሉን ዝኽእሉ ውሽጣዊ ሓርነታዊ መሰሎም ተመንዚዖም’ዮም። ደፊሮም ቅኑዕ ኣይቅኑዕን እወ ኣይፋል ክብሉ ዘኽእሎም ውሽጣዊ ሞራል የብሎምን። ብነብሰ ትሕተት ዝተበልዑ ስኩፋት’ዮም። በተዓባብያን ኣመላምላን ዝተበደሉ ሰባት ነብሰ ምትእምማን ስለዘይብሎም ካብ ኣብ ገዛእ ነብሶም ዝያዳ ኣብ ካልኦት ይተኣማመኑ። ንሳቶም ዝኾነ ቁም-ነገር ዘይብሎም ውዱቓት፡ እቶም ካልኦት ከኣ ዝኾነ ኣበር ዘይብሎም ለባማት ተበዓት ዝብል ኣብ ኣእምሮኦም ስለ ዝስእሉ፡ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ክንሶም፡ ከም ተንቀሳቓሲ ማሽን ንካልኦት ከገልግሉ ይረኣዩ። ብግጉይ ኣመላምላ ኣብ ሰብኣዊ ክብሮም ዝንቡዕ ሚዛን ስለዘለዎም፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰብኣውያን ፍጡራት ተደናጋጽነትን ክብርን ኣየርእዩን። ብኣንጻሩ እኳደኣ ብስቓይ ካልኦት ክሕጎሱ ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። ካብ ከም’ዚኦም ዝበሉ ውሽጣዊ ሓርነትን መትከላዊ መንነትን ዘይብሎም ሰባት ህዝባዊ ሓርነት ክርከብ ምጽባይ ‘ምበኣር፡ ብፍኹስ ዝበለ ቃል የዋህነት፡ ካብኡ እንተኸይዱ ከኣ ብዋጋ ህይወቱ ዝጣላዕ ዕሽነት’ዩ።

ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፎም ዝነበሩ ዕጡቓት ተጋደልቲ ኮነ ስቪል ሓፋሽ ውድባት፡ ኣብ ዓውደ ተግባር ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን ብሓበን ካብ ምግላጽን ብግቡእ ሰኒድካ ናብ ተካኢ ወለዶ ክሰጋገር ካብ ምግባርን ወጻኢ ከተነኣእሶ ወይ ክትክሕዶ ምፍታን ናይ ቅኑዕ ሕልና ምልክት ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ርሱንን ፈታንን መድረኽ እቶም ተዋጋእቲ ሰራዊት ብህይወት እናሃለው ንስለ ኤርትራን ህዝብና ህይወቶም ንመስዋእቲ ፈሪዶም’ዮም። ብተግባር ከኣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዓወት ንሓፋሽ ኢሎም እናጨርሑ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ውግኣት ብፍጹም ሃገራዊ ሓርበኝነት ብጀግንነት ወዲቖም’ዮም። ክንዳኦምን ልዕሊኦምን ድማ ብተመሳሳሊ ጀግንነት ፍርቂ ኣካሎም ከፊሎም’ዮም።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበሩ ሓፋሽ ውድባት ብወገኖም፡ ብፍልጠቶም፣ ብገንዘቦም፣ ብጉልበቶም፣ ብንብረቶም ዝኽፈል ከፊሎም’ዮም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኮነ፡ ሓፋሽ ውድባት ዘርኣይዎ ጽንዓት፣ ትብዓት፣ ዝኸፈልዎ ናይ ኣካል፡ ነዋት፡ ህይወት ክቡር ዋጋን ብወተሃደራዊ መዳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእቲ ዘመዝገብዎ ድሙቕ ዓወትን ናይ ሓደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዘይኮነ፡ ናይ መላእ ህዝብታት ኤርትራ ብምዃኑ ሃገራዊ ኩርዓት’ዩ። ኣብ ሃገራዊ መዘክር ክሰፍር ድማ ኩሉ ግዱስ ክረባረብ ይግባእ። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሃገራዊ ዕትብቱ በቲኹ ናብ ቅሉዕ ዘቤታዊ ጸላኢ ተቐይሩ ኣብ ውሽጥን ምስ ጎረባብትን ብዘካየዶ ዘሎ ዘይፍትሓውን ኣዕናውን ዘሕፍር ውግኣትን ናይ ቅንጸላን ዓፈናን ተግባራትን ድማ፡ ምስቲ ቀዳማይ ከይተደዋወሰ ኣብ ጸሊም ናይ ደም ማህደር ክሰፍር ይግባእ።

ቅድሚ 1991 ዝነበረ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ትብዓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ምስ ውዕሎ ሎሚ ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ መሰረታዊ ጌጋ ስለዝኾነ ብፖለቲካዊ ተንታን ብጭቡጥ መረዳእታ ክምከት ክህረም ዘለዎ’ዩ። ናይ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ፍትሓዊ ሕቶ ዝሰረቱ ጀግንነታዊ ሓርበኛዊ ውዕሎ በይኑ፡ ሎሚ ዝወሃብ ዘሎ ምኽንያትን ዝፍጸም ዘሎ ወራራትን ከኣ በይኑ’ዩ። ናይ ትማሊ ምኽንያት፡ ታሪኽ፡ ተግባር በይኑ። ናይ ሎሚ ምኽንያት፡ ታሪኽ ተግባር በይኑ ምዃኑ ተነጺሩ ክቕመጥ ኣለዎ። ናይ ትማሊ ታሪኻዊ፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊ መርተዖ ዝነበሮ ፍትሓዊ ሕቶን ንዕኡ ክበሃል ዝተኸፍለ መስዋእትን፤ ናይ ሎሚ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ብድሌት ሓደ ሰብ ተጻሕቲሩ ዝእጎድ ዘሎ ሓዊ፡ ስለዚ ከኣ ኣብኡ ንከንቱ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት፡ ዝዓኑ ዘሎ ነዋት፣ ዝበርስ ዘሎ ሃገራዊ ፍቕርን ሓድነትን፡ ትማሊ ንሃገራዊ ነጻነት፡ ሎሚ ንሃገራዊ ልኡላውነት ኢልካ ብማዕረ ወዲንካ ናይ ፍትሓውነትን ሕጋውነት ካባ ከተልብሶ ምፍታን ታሪኽ ምዝባዕ’ዩ። ውዕሎ ናይ’ቶም ኣብ ቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ዝወደቑ ጀጋኑን ፍርቂ ኣካሎም ቀቢሮም ዝኣተው ውጉኣት ሓርነትን ምርኻስ’ዩ። ታሪኽ ትማልን ሎሚን፣ መስዋእቲ ትማልን ሎሚ፡ ምኽንያት ትማልን ሎሚን ከይፈላለኻ ደዋዊስካ ምቕራብ፡ ነቲ ብደይ መደይ ህዝቢ ንምብታን ኢሉ ድማ ንምጽናት ዝሰርሕ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ልክዕ ኣለኻ ኣይተጋገኻን ብኡ ቀጽል ዝብል ናይ ጥፍኣት ፍቓድ ምሃብ’ዩ።

ጀግንነት ትማሊ ብኹሉ መዕቀኒታት ምስ’ዚ ናይ ሎሚ ዘይተኣሳሰር ስለዝኾነ ብንጹር በይኑ ተቖሪጹን ተቐሪጹን’ዩ ክቕመጥን ክዝንተወሉ ዘለዎን። ነዚ ናይ ገዛእ ነብሱ ሓርነት ዘይኣወጀ፡ በትሪ ውልቀ መላኺ ኮይኑ ህዝቡ ኣብ ምስቓይ ዘገልግል ዘሎ እኩብ በዓል ብረት፡ ትማሊ ንሃገራዊ ነጻነት፡ ሎሚ ንምኽባር ልኡላውነት ኢልካ ብሃገራዊ ሓርበኝነት ክትገልጾን ከተተባብዖን መግለጺ ብመትከል ዘይግዛእ ፖለቲካዊ ሃላልነት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ውልደቱ ጀሚሩ ኣብ መዳይ ፖለቲካ፡ ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን ኣይነበሮን። ይኹን ግን እቲ ሕቶ ህዝባዊ ናይ ሃገርነትን መንነትን ሕቶ’ዩ ነይሩ። እቶም ኣብኡ ዝወደቑን ኣካሎም ዝሰኣኑን ጀጋኑ ከኣ፡ ንስለቲ ህዝባዊ ሕቶ ብመን ሕራይ ዝተበጀው ብምዃኖም መስዋእቶም ህዝባዊ’ዩ። ነዚ ከኣዩ ብግቡእ ክስነድን ብኽብሪ ተታሒዙ ክቕመጥ ኣለዎን ንብል ዘለና።

ብወሳኒ መልክዑ ድሕሪ 1993 ኣብ ኤርትራ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ዘይንቡርን’ዩ። ንስለ ክብረ ዝና ሓደ ሰብ ካብኡ እንተሓሊፉ ከኣ ንረብሓ ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ክበሃል፡ ኣብ ልዕሊ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝተሃንደሰ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ’ዩ። እቲ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ ብክለሰ-ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ኣብ ባይታ ይሰርሕ ስለ ዘሎ ከኣ፡ ከይትኹንኖ ኣንጻሩ ከይትውደብ ዘሰክፍ ድንግርግር ዘብል ምኽንያት የብሉን። እዚ ንናይ ውሑዳት ረብሓን ዝናን ዝጣበቕ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ዝጸንሖ ዕድመ እንተቖጺርና ልዕሊ ርብዒ ዘመን’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ንኽንድዚ ግዜ ዝኣከል ትንፋስ ዘውጽእ ደኣምበር ትንፋስ ኣብዘይ ዘይህብ ምሕደራ ክነብር ከኣ ኣዝዩ ነዊሕን መሪርን’ዩ። ብመንጽር ኣብ ህይወት ዜጋታትን ሃብቲ ሃገርን ዘብጸሖ ጉድኣት እንተተመዚኑ’ውን ዘባህርር’ዩ። ካብ’ቶም መዘውር ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ወጻኢ ዝርከባ ኤርትራዊ ስድራ ቤታት፡ ዘሕልፋኦ ዘለዋ እህህታን ቃንዛን ዘይተፈልዮ ጸልማት ህይወት ብዓይኒ ዝረአ ኣብነት’ዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዓቐኑ ብዙሕ ብዓይነቱ ድኹም ሰራዊት ፖለቲካዊ ሩሕ ዘለዎ፡ ትርጉም ሰብኣዊ ክብረትን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዝርዳእ፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝስመዖ ነይሩ እንተዝኸውን ካብ’ቲ ብዙሕ ብውሕዱ፡-

  1. ከም ትካል ብመንን ከመይ ቆይመ፣ ንመን’ከ የገልግል ኣለኹ? እንታይ’ከ ይርባሕ ኣለኹ? ዕማመይ ንህዝቢ ዝጠቅም’ዶ ዝጎድእ ኢሉ ንውሽጡ ክርኢ፡ ናብ ኣብዘሓ ህዝቢ ወጊኑ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝጣበቕ ህዝባዊ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ብነጻ ሞያተኛታት ተነዲፉ፡ ብምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ብኽትዕ በሲሉ ክጸድቕን ክትግበርን ኣለዎ። ኩሉ ኣብዘይህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝጸዓን ፖሊስን ሕግን ቅቡል ኣይኮነን ዝብል ተሪር መርገጽ ሒዙ፡ ነቶም ኣልቦ ሕጊ ንገዛእ ርእሶም ከም ሃገራዊ ሕጊ ኮይኖም ህዝቢ ዝብትኑን ሃብቲ ሃገር ዘብርሱን ዘለው ውሑዳት መሪሕነታዊ ጉጅለ ከምበርክኾም ምተራእየ ነይሩ።
  2. ኣብዘይ ህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ዕግበት ህዝብን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ህጻናትን መንእሰያት ዝተኣወጀ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕንወት፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ከቐንዝዎ፡ እምቢ ንትርጉም ዘይብሉ ኣገዲድካ ዕስክራን ኢሉ ብተግባር ከበርዕኖ ነይርዎ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ስልጡን ዘመን ብዘይድሌትካ ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ምእታው፡ ሰብኣዊ ክብረት ኣብዘይብሉ ጨካን ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ሕጋዊ ስርዓተ ደሞዝ ብባርነት ምግልጋል፡ ኣብዘይትፈልጦን ዘይፍትሓውን ኲናት ከም ኣባጊዕ ተኾብኲብካ ብምእታውን ንከንቱ ክትመውትን ክትስንክልን ናይ ቅቡልን ጥዑይን ፖሊሲ ሜላ ዘይኮነ ገበን ስለዝኾነ፡ ብሰንጠቕ ክቃወሞን ንሃንደስትን ኣሳሰይትን እዚ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ኣብ ሕጊ ከቕርቦም ምረኣና ነይራና።
  3. ከም ጥርኑፍን ዕጡቕን ክፍሊ መጠን፡ ብዘይ ጭቡጥ ናይ ጥፍኣት ምኽንያትን ፍቓድ ቤት ፍርድን ሰባት ክጽረፉ፣ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ክበጽሖም፣ ክእሰሩ፣ ተጨውዮም ብኡ ንብኡ ክሓቁ፣ ክርሸኑ፣ ንብረቶም ክዝመት፣ ብስመ ሃገርን ወተሃደርን ሰብ ሓዳር ንዓመታት ተፈላልዮም ክነብሩ፡ ህጻናት ሓብሓቢ፡ ሽማግለታት ጠዋሪ ስኢኖም ክሳቐዩ፣ ዝጸንሐ ኣወንታዊ ባህላዊ ክብርታት ብህግደፍ ኣምጸኦ ስድነት ክራኸስ ክሃስስ፣ ሃይማኖተኛ ህዝቢ ሃይማኖት ኣልቦ ክኸውን ዝግበር ዘሎ ፋሽሽታዊ ጸቕጢ፣ ቅድሚ ካልኦት ንሱ እቲ ዕጡቕ ክፍሊ ስለምንታይ ዝብል ድምጹ ከስመዓሉን ነይርዎ።
  4. ምስ ጎረባብትና ሰላምን ምክብባርን ደኣምበር፡ ኣብዘይ ምኽንያታዊ ጽልእን ኲናትን ኣይንኣቱን። ውሑዳት ሰባት ምስ ስድራ ቤቶምን መቕርቦምን ብዋጋ ደምናን ህይወትናን ብሃብቲ ሃገር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተንደላቒቖም ክነብሩ፡ ንሕና ምስ ስድራ ቤትና ኣርዑት ባርነት ንስከመሉ ምኽንያት የለን ዝብል ሕቶ ከልዕልን መሰሉ ከኽብርን ነይርዎ።
  5. ካብ ሰብኣዊ ክሳብ ነዋታዊ ጸጋታት ሃገር ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ ኣትይሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ብስመ ሃገር፡ ኣብ ዘየለ ሕጊ ሕጊ የኽበር ኣለኹ፡ ንዘየመረጾ መንግስቲ ትእዛዝ መንግስቲ እናበለ ፈጻሚ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ብምዃን ህዝቡ ካብ ዘሳቒ ብተግባር ናብ ህዝቡ ወጊኑ ኣብ ኢዱ ዘሎ መህረሚ በትሪ ተጠቒሙ መጀመርያ ገዛ ርእሱ ቀጺሉ ንህዝቡ ካብ መቑሕ ባርነት ሓራ ንምውጻእ ዓሊሙ ክነጥፍ ምርኣና ኔርና።
  6. ኣብ ናይ ሓሳብ ጽልምትምት ስለዝኣተወን እንታይ ከምዝገብር ኣንፈት ጠፊእዎን’ዩ ከይበሃል፡ ኣብ ውሽጡ ብተደጋጋሚ ዝተገብሩ ዘይዕውታት ግን ድማ፡ ዘይትካእ ህይወት ንቑሓትን ውፉያትን ዝበልዑን ዕድል ብዙሓት ድማ ዘጸልመቱን ፈተነታት መበገሲ’ዮም። ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ፡ ቅድም ክብል ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዕድመ ስልጣን ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ናዕቢ ዘርኣዮ ህዝባዊ ወገናውነት፣ ሃገራዊ ሰራዊት ዚምባብዊ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ጸቕጢ ብምግባር፡ ዝፈጸሞ ኣወንታዊ ተግባር ከም ተመክሮ ዝውሰድ’ዩ።

ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘላ፡ ካብ’ዚ ዘላቶ ቀልጢፉ ዝገላግላ እንተዘይረኺባ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኣንፈት ከተምርሕ ምዃና ናይ ለባማት ሻቕሎት’ዩ። እዚ ብገለ ወገናት ትማሊ ንሃገራዊ ነጻነት ሎሚ ንምኽባር ልኡላውነት ብዝብል መጎሳ ዝቐርበሉን ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝግበር ምስግጋር ፍታሕ ኣባኻ’ዩ ዝበሃሎ ዘሎን ዕላማ ኣልቦ እኩብ በዓል ብረት ድማ ቀጥታ ግዳይ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው’ዩ። ኣብ ኤርትራ ባርነታዊ ዕዮ ኣሎ ክበሃል እንከሎ ከም ቀዳማይ ጭብጢ ኮይኑ ዝቐርብ ንሱ እቲ ዕላማ ኣልቦ ሰራዊት’ዩ። እንተኾነ ግን እቲ ቅድሚ 1991 ኣንጻር መግዛእታዊ ሰራዊት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ መሪር ዓውደ ውግኣት ተሳቲፉ፡ ብተግባር ጀግንነቱ ዘመስከረን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብጾቱ ኣብ ፈቖዶ ገቦታትን ስንጭሮታት ገዲፉ ዝኣተወ ገዲም ተጋዳላይ፡ ብፖለቲካዊ ድኽነትን ራዕድን ስለዝተጠቕዐ ዝተፈልየ ሓሳብ ሒዙ ኣብ ቅድሚ መራሕቱ ደው ክብል ትብዓት ኣይረኸበን። ኣብ’ቲ ህይወት ዝበልዕ ሃልሃልታ ኲናት ዘርኣዮ ትብዓት፡ ኣብ ተዛምዳዊ ሰላማዊ መድረኽ መራሕቱ ክብድህ ንመሰሉ ደው ክብል ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ክውንን ኣይከኣለን። እዚ ክፍሊ ቅድሙን ድሕሩን ጠሚርካ ክምዘን እንከሎ ድማ፡ ብፖለቲካዊ ድኽነትን ራዕድን ተኣሲሩ፡ ንምልኪ ከገልግል ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ክትኩስ ድልዊ ዝኾነ ሰራዊት ምዃኑ ልዕሊ ተግባሩ ካልእ ምስክር ክህሉ ኣይክእልን።

ስለዚ ነዚ ንገዛእ ርእሱ ሓራ ዘይወጽአ ብዘይ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ዘይመረጾ መንግስትን ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሃገራዊ ድሕነት፣ ሃገራዊ ፖሊስ፣ ህዝባዊ ሰራዊት፣ ፍሉይ ኣሃዱ ቁጽሩን ኣስማቱን ብዙሕ’ዩ። ኣብ ጽቡቕ ከምዘየለ ተደናጊሩ ከም ዘሎ፡ ውሑዳት ብስሙ ጥራሕ ዘይኮነ ብደሙን ህይወቱን ተንደላቒቖም ይነብሩ ከም ዘለው፡ መሰረታዊ ጠቕሙ ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑ፣ ምስ ህዝቡን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ተኣሳሲሩ ኣንጻር’ቲ ጉጅለ ክቃለስ፡ ከምኡ ክገብር እንተዘይ ክኢሉ ከኣ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ካብ መሳርዕ እቲ ዘለዎ ጸረ-ህዝቢ ትካላት ነብሱ ሓራ ከውጽእን ደኣዩ ክምከር ዘለዎ ‘ምበር፡ ከም ትካል ወገን ህዝቢ ኢኻ፡ ልኡላውነት ሃገር ሳላኻ’ዩ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ዝነብር ዘሎ፡ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድማ ተስፋና ካባኻ’ዩ ዝብል ጎስጓስ ብኹለንትንኡ ዘይቅኑዕ፡ ቀልጢፉ ክእረም ዘለዎ፡ ናይ ተመክሮ ተደናጋጽነትን ናይ በለጸኛታት ስልትን ዝውክል ካብ ቅኑዕ ፖለቲካዊ መትከላዊ መዕቀኒታት ዝኾብለለን ከንቱ ሃቐነ ምዃኑ ምርዳእ ጽቡቕ’ዩ። ስለምታይ’ሲ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሉ፡ ገዛእ ርእሱ ሓራ ዘይወጽአ ዕላማ ኣልቦ እኩብ በዓል ብረት፡ ንካልእ ሓራ ከውጽእ ብዝኾነ መዕቀኒ ትጽቢት ኣይግበርን።

ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደግሓኤ ሕታም 20 ሰነ 2018 ዝተወስደ

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 11 ሓምለ 2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox