^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 41 guests and no members online

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን

ሓምሻይ ክፋል

ኣብ ራብዓይ ክፋል፡ ብቐንዱ ብህዝብታት ኤርትራ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ‘ምበኣር፡ ብኸመይ ኣብዚ ውሳነ’ዚ በጺሑ? ንመን ተወኪሱ? ብመን ተደፊኡ? ዝተኸተሎ ኣገባብ ከ ቅኑዕ ድዩ? ክሳብ ኣበይ ከ ክቕጽል’ዩ? እንታይ ሳዕቤንከ ከኸትል’ዩ? ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብልቦና ምርኣይ፡ ብጽሞና ምድምማጽ፡ ምንባብ፡ ሓያል ውደባ ንምፍጣር ሓቀኛ ምቅርራብ ከድሊ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ኔርና። ሓምሻይ ክፋል እነሆ፡-

ህግደፍ ወኪል ውሑዳትን መላኽን’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ ኣብ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ራእይ፡ መትከልን ህዝብን እምነት ዘይብሉ ኣብ ናይ ግዳም ጎይቶት ዝተኣማመን ጽግዕተኛ መንግስታዊ ጉጅለ ምዃኑ ብዙሓት ብፖለቲካዊ ተንታን ኣቐዲሞም ዝበጽሕዎ ብሰነዳዊ መርተዖ ድማ ዘረጋገጽዎ ሓቂ’ዩ።

ከምኡ ምዃኑ፡ ብዙሓት ብቐሊሉ ክስተብህልሉ ዝኽእሉ ኣብነት’ውን ኣሎ። እቲ መንግስታዊ ጉጅለ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ሃልዩ፡ ብሕጋውን ወግዓውን ህዝባዊ ምርጫ ተወዳዲሩ ብመምረጺ ካርድ ቅቡልነት ረኺቡ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ንጹር ካብን ናብን ዘርኢ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ሃልዩ ኣብ ትሕቲኡ ንእምነቱ ደው ዝበለ፡ ብመትከላዊ እምነት ተኣሳሲሩ፡ ሓቢሩ ውድባውን ሃገራውን ጉዳያት ዝሪአሉ፡ ዝግምግመሉ፡ ውሳኔታት ዘሕልፈሉ ብተግባር ዝነጥፈሉን ተሓታትነት ዘለዎ ትካላዊ ደሞክራስያዊ መድረኻት የብሉን። ህልውናኡ ኣብ ጸጥታን ስለያን ዝተኣማመን’ዩ።

ብውልቀ ሰባት ዘይኮነ ብደረጃ ውድብ፡ ከም ባህሊ ሓሻሽን ዘማውን’ዩ። ኣብ ሓሻሽን ዘማውን ባህሊ ዘለዎ መንግስታዊ ጉጅለ ዝህሉ ትካል ጸጥታን ስለያን ክንደይ ዝኸውን ባጀት የድልዮ ድማ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኤርትራ ከም ሃገር ንከምዚ ዝበለ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ መንግስታዊ ጉጅለ ዝጸውር ጭቡጥ ምንጪ ቁጠባዊ እቶት የብላን። ምኽንያቱ ኣይኮነን ንሰደድ ዝኸውን ትርፊ ፍርያት ሕርሻ፡ ንጠለብ ዜጋታት ዘማልእ’ውን የብላን። ዕለታዊ ዝሕለብ ነዳዲ የለን። ትርጉም ዘለዎ መዓድናዊ ሃብቲ የለን። ወፍሪ የለን። ንግዳዊ ንጥፈታት ዕጽው’ዩ። ትርጉም ዘለዎ ኣታዊ ከምጽእ ዝኽእል ዝነበረ ውደባትን ማያዊ ባሕርን ካብ ስም ዝሓልፍ ፍርያት ይህብ የለን …ወዘተ። እቲ ጉጅለ ግን እነሆ ንልዕሊ 27 ዓመት መመላእታ መሰል ህዝቢ ጨፍሊቑ ይገዝእ ኣሎ። ካበይ ብዝተረኽበ ቁጠባዊ ሓይሊ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ’ዩ። መልሱ ከኣ፡ ብፖለቲካዊ ምንዝርና ሓንሳብ ምስቲ ሓደ ካልእ ሳብ ከኣ ምስቲ ካልእ ገልበጥበጥ እናበለ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዓሰብቲ ብገንዘብን ብዓይነትን ዝትኮበሉ ምንጪ ዝብል’ዩ።

እዚ ጉጅለን ፈጣሪኡን መራሒኡን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካብ መድረኽ 70ታት ምስ ርእሰ ሓያል ኣመሪካ ጥቡቕ ናይ ለኣኽን ተለኣኽን ግን ከኣ ሚስጢራዊ ርክብ ከም ዘለዎም ፈለጥቲ ውሽጢ ብወግዒ ብቃልን ጽሑፍን ኣተንቢሆም’ዮም። ገለ ካብ’ቶም ነዚ ምስጢር’ዚ ብቐረባ ዝፈልጡን ዘቃልዑን ኣብ ጎረቤት ሃገር ብትካል ጸጥታ ተቐቲሎም’ዮም። ኣብ ተስዓታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዓመታዊ ርክብ ህዝብን ፕረዚደንትን ብዝብል ይገብሮ ኣብ ዝነበረ ኣምስሉ ቃለ መጠይቕ፡ ንሕና ብዓበይቲ ሃገራት ዝተኸበብና ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝብን ኢና፡ ስለዚ ወይ ጎቦኹን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ ስለዝኾነ፡ ምስ ርእሰ ሓያል ኣመሪካ ቀሪብና ክንሰርሕ ኢና ኢሉ ምንባሩ፤ ብሓደ ጀነራል ትምራሕ ወተሃደራዊት መርከብ ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ወደብ ምጽዋዕ ኣብ ዘዕረፈትሉ፡ ኢሳያስ ከም ዝበጽሓ፡ ነዚ ፍሉያትን ብቑዓት መራሕቲ ብኣጋጣሚ ዝረኽብዎ ዕድል’ዩ። ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ካብ’ቶም ብዓለም ደረጃ ዝረኣዩ ብቑዓት ብደረጃ ኣመሪካ ተደለይትን መራሕቲ ሓደ ስለዝኾነ፡ ኣብ’ታ መርከብ ከይዱ ምስ’ቲ ጀነራል ተራኺቡ ኣብ ኣገዳሲ ጸጥታዊ ጉዳያት ተዘራሪቡ ክብላ መቀናጀውቲ ምልኪ ማዕከናት ዜናኡ ብዘይ ሕፍረት ብኹርዓት ዘመሓላልፋኦ ዜናን ዜናዊ ጸብጻባትን ኣይርሳዕን። ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ግዜ ስልጣን ብልክሊንተን “ዓለም ደሞክራሲ ካብ ኤርትራ ክትመሃር ኣለዋ” ኢሉ ይሕጭጨሉ ምንባሩ’ውን ዝዝከር’ዩ።

ልክዑ ምርዳእ ስኢኑ ፈንጣሕጣሕ ክብል ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ 1998 ኲናት ወሊዑ፡ ኣይለምደንን ክሳብ ዝብል ተቐጥቂጡ ኣማለድቲ ልኢኹ ኣድሕኑኒ ኢሉ እግሪ ስዒሙ፡ ብዋጋ ክብሪ ህዝብታት ኤርትራን ልኡላዊ መሬት ኤርትራን ትንፋስ ካብ ዝረኸበሉ ንደሓር ግን፡ ኣነ እሙን ብኹሪ ውላድኩም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናሃለኹ ስለምንታይ ዘይትዘርዩለይ ብዝዓይነቱ ካብ ሕሉፍ ሕንቃቐ ዝብገስ በሽቀጥቀጥ ጀሚሩ። ኣመሪካ ታሪኻዊት ደመኛ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝብል ኣምስሉ ጎስጓስ ተጸሚዱ። ኣልዕል ኣቢሉ ዶባና ክውረር ዝገበረት ኣመሪካ። ወያነ ኣብ ኲናት ጸብለልታ ክረክብ ዝገበረት ኣመሪካ። ኮሚሽን ዶብ ባድመ ንኤርትራ ምስ ወሰነ ከይትግበር ነገራት ክተሓላለኽ ዝገበረት ኣመሪካ። ንዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻርና ደው ክብሉ ዝጎስጎሰት ኣመሪካ’ያ። እዚ ድማ ሓድሽ ዘይኮነስ መቐጸልታ ናይ 50ታት’ዩ እናበለ፡ ምስ ሓያል ምብኣስ ብሓያል የምዝን ዝብል ዝንቡዕ ተረድኦ ሒዙ ኣስታት ን20 ዓመታት ኣብ ናይ ምድንጋር ዕማም ተጸሚዱ ጸኒሑ። በዚ ዝተደናገሩ ኣይነበሩን ክበሃል ኣይከኣልን።

ሰራዊት ወያነ ካብ ልኡላዊ መሬትና ከይወጽአ፡ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ምሕደራን፣ ሃገራዊ ልምዓትን ካልእ ዋኒን የለን። ክልተኣዊ ዘተ ዝበሃል ኣይሕሰብን። ምምሕዳር ዋሽንግቶን ንሱ ዝእዝዞምን ዘዋፍሮምን ውድባትን መንግስታትን’ዮም ዝዘርዩና ዘለው። ንሕና ግን ኣብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመርና ስለ ንተኣማመን ብልኡላውነት መሬትናን ክብርናን ኣይንዋገን። ተጽዕኖ ፈሪሕና ኣይንብርከኽን። ጠቕሚ ደሊና ኣይንዕሰብን። ተንበርካኽነት ዕሱብነት ባህልና ኣይኮነን ኢሉ ክፍክር ጸኒሑ።

ብ20 ሰነ 2018 ግን ነቲ ን16 ዓመታት ከደናግረሉ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ጽግዕተኛ ባህሪኡን ተግባሩን ባዕሉ ነብሱ ኣቃሊዑ። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመላላእቲ’ዮም። ንፍርቂ ዘመን ዝኸውን ከረጋግጽዎ ዝነበሮም ረብሓታት ከሲሮም’ዮም። ሕጂ ወያነ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ናይ ግድን ንረብሓ እዞም ክልተ ኣሕዋትን ህዝብታትን ክኒዮኡ ዝኸድን ውጥናት ሰሪዕና፡ ብዘይዝኾነ ዜናዊ ዘመተ ልኡኽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ኣለና ኢሉ። ቀጺሉ፡ “ሰለስተ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ዋሺንግቶን፡ ብሎተሪያ ሶቭየት፡ ተረኽበ ኢሎም ዘንቀሉዎ ፍልስፍና ዓለማዊ ስርዓት፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ንኣሜሪካ ኣብ ርእሲ ዘውረዶ ናይ ትሪልዮናት ቁጠባዊ ክሳራ፣ ብናይ ጽልዋ ሚዛን ‘ተተራእየ’ውን፡ እቲ ምንቁልቋል ዓቢ እዩ ነይሩ። ኣብ ዞባና ብገፊሑ ዘኸተሎ ምምዝባልን ዕንወትን’ውን ገዚፍ’ዩ። እዚ ሕጂ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝሓለፈ ክሳራታት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ክሳራታት ዘኸተለ ፖሊስታት ንምቕያር ብዘለዎ ድልየት፡ ዝተፈላለየ ኣመታት ክህብ ጸኒሑ’ሎ። ኪኖ ዘመተ ምንሻው፣ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞታት ውሑድ ኣይኰነን። ድልየቱን ክእለቱን ብንጹር ክንፈርድ ዘሀውኽ እኳ እንተዘይብልና፡ ብንጡፍ ክንጸምድ ብዝቐየስናዮ እስትራተጂያዊ ሕርያ፣ ብዘይቅድመ ብይን (prejudge ከይገበርናን) ሰጋእ- መጋእ ከይበልናን፡ ምስ መሻርኽትና ተሓባቢርና፡ ነቲ ምምሕዳር ናብ’ቲ ቅኑዕ መኣዝን ክንድርኽ ክንሰርሕ ኢና፡ ክብል ተልእኾ ናይ መን ይፍጽም ከምዘሎ ብዘየደናግር ቋንቋ ኣመት ሂቡ።

ምምሕዳር ኣመሪካ ካብ ሎሚ ትማልን ቅድሚኡ ዝነበረን ከም ዝሓይሽ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝዕዘቦ ዘሎ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን ነቶም ብሃላልን ሕንቁቕን ኣካይዳኡ ዘኾረዮም ሕሉፋት ስርዓታት ብዘይቀጥታዊ ብጎቦ ጎቦ ኮኒኑ፡ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ብንጡፍ ክንጽመድ ብዝቐየስናዮ ስትራተጂካዊ ሕርያ፡ ሰጋእ መጋእ ከይበልና ምስ መሻርኽትና ሓቢርና ነቲ ስርዓት ናብ ቅኑዕ መኣዝን ክንድርኽ ክንሰርሕ ኢና ክብል መዲሩ። ምምሕዳራት ኣመሪካ ወትሩ ኣንጻር ረብሓን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ጎስጓስ ብዘይመረዳእታ ተቛሪጹ። ዝገርም ጭርጭር ዓበደ ፖለቲካዊ ጸወታ’ዩ። ቀጻልነቱ ብተለኣኣኽነት ኣውሒሱ ዝሰሓግ ዘሎ ኢሳያስን ስርዓቱን ንትራምፕን ስርዓቱን ናብ ቅኑዕ መኣዝን ክመርሖ ክድግፎ በየናይ መዕቀኒ? ካብ መደረ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክንወስዶ እንኽእል መልእኽቲ ምበኣር፡ ሓደ፡ ዶባዊ ጎንጺ ንምፍታሕ ድልዊ’የ ኢሉ ልኡኻት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሰድድ ዝደረኾ ሰላም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዓጢጥዎ ዘይኮነስ፡ ናይ ግድን ከምኡ ግበር ተባሂሉ ከም ዝተኣዘዘ፣ ካልኣይ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ መንግስታዊ ግድዓት ይፍጽም ምህላው፣ ሳልሳይ፡ ኤርትራ ብሓደ ሰብ ‘ምበር ብመንግስቲ ዝበሃል ትካል ትምራሕ ከምዘየላ’ዩ።

                                ሻድሻይ ክፋሉ ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 04-07-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox