^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 81 guests and no members online

ኤርትራ ከም ሃገር ብሓደ ውድብ ዘይኮነ፡ ብሓደ ሰብ’ያ ትምራሕ ዘላ።

ህዝቢ ኢና ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ተመክሮ ዘለና ህዝቢ። ሃገር ኢና ደም፡ ኣካል፡ ዕድመ፡ ህይወት ከፊልና ብሓይልን ብሕግን ዘረጋገጽናዮ መንነት። እወ ንመንነት፡ ንመሰል፡ ንሓርነት ተቓሊስና ተዓዊትና። ረፈረደም ኣካይዳና ልኡላውነትና ክውን ገይርና። ኣባል፡ ዞባዊ፡ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ኮይና። ኣብ’ዚ ምብጻሕና ህያብ ዘይኮነ ውጽኢት ስራሕና ብምዃኑ የኹረዓና።

ግን ኣብ ዓውደ ኲናት ዘመዝገብናዮ ዓወት፡ ኣብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ስኒት፣ ኣብ ምህናጽ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ደሞክራስያዊ ትካላትን፣ ኣብ ልዕልና ሕግን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን፣ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ህዝባዊ ሃገራዊ ልምዓት፣ ኣብ ዲፕሎማሲ ክንደግሞ ኣይከኣልናን። ኣብ ወተሃደራዊ ዓውደ ኲናት ተዓዊትና። ንሱ ድማ ተግባር’ዩ። ዛጊት ንቃለሰሉ ዘለናን ዘየዐወትናዮን ዕማም ግን ዝዓበየን ናይ ሓንጎል ስራሕን’ዩ። ጸረ-መግዛእታዊ ሰራዊት ዝተመዝገበ ኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ገዛእ ርእሱ ዕላማ ኣይኮነን። ናይ ፖለቲካዊ ዕላማ መሳለጥያ’ዩ። ብካልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ወተሃደራዊ ዓወት ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ስልቲ’ዩ። ኮይኑ ዘሎ ከኣ ኣብ ዓውደ ኲናት ብዝተገብረ መሪር ምርብራብ ብጅግንነት ፈጺሙ፡፡ መግዛእታዊ ሰራዊት ካብ ምድሪ ኤርትራ ኣውጺኡ። ልኡላውነት ሃገር ብመንገዲ ረፈረንደም ክውን ክኸውን ባይታ ፈጢሩ። እቲ ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝመርሐ ዓውደ ፖለቲካ ግን፡ ስነ-ሓሳባዊ መርሆን ብቑዕ ኣመራርሓ ስኢኑ፡ ተደዋዊሱ ኣንፈት ኣጥፊኡ። ካብ ደምበ ፈታዊ ወጺኡ ናብ ደምበ ጸላኢ ተሰጋጊሩ።

ግዳማዊ ፖለቲካዊ ጸላኢ፡ ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካላቱ ተባሪሩ። ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸላኢ ምስ ናይ ዓፈናን ቅንጸላን ትካላቱ ቦትኡ ተኪኡ። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዝገዝእ ዘሎ ዘቤታዊ ጸላኢ ግን፡ ብስም ‘ምበር ብተግባር ውድባዊ ኮነ መንግስታዊ ቅትዒ የብሉን። ብሓባር ነገራት ዝርኢ ዝውስን ዘስተንፍስ ኣይኮነን። ብፖለቲካዊ ሳንቡእ ሓደ ሰብ’ዩ ዘስተንፍስ። ፖለቲካዊ ኣንፈት ዝቕልስ ሓደ ሰብ’ዩ። ቁጠባዊ መትንታት ሃገር ዝተቖጻጸረ ሓደ ሰብ’ዩ። ንወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ሰላውያን ትካላት ዝዝውር ንሱ’ዩ። ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከም ቃሕታኡ ዘኽይድ ሓደ ሰብ’ዩ። ስሩት ህዝባዊ ክብርታት ዝብርዝ ዝሰባብር ሓደ ሰብ’ዩ። ብህይወትን ንብረትን ዜጋታት ዘላግጽ ሓደ ሰብ’ዩ። ኮታ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ዝውስን ዝህብን ዝኸልእን ሓደ ሰብ’ዩ።

እቲ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስርዓት ኤርትራ እናበልካ ምግላጽ፡ ብወሳኒ መልክዑ በዘልማድ ዝበሃል’ዩ። ሕጋዊ ተሓታትነት ዘለዎ ስሩዕ ፖለቲካዊ ህይወት ዘሕልፍን ህግደፍ ዝበሃል ውድብ የለን። ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ዘፍቅዶ ብህዝቢ ተወኪሉ ኣብ ስልጣን ዝደየበ መንግስቲ ድማ የለን። ሓባራዊ ስራሕ ዝበሃል ካብ መጀመርያኡ ኣይነበረን። ሕጂ ድማ የለን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ሃገር ከም ሃገር ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ዝወደቐትሉን ናብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኣንፈት ተምረሓሉ ዘላን ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና። እቲ ኩሉ ወተሃደራዊ ቅያ ዝሰርሐ ህዝቢ፡ ኣብነት ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝኾነ ህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ቀጥታ ምስ ህይወት ዝተኣሳሰረ ዓውደ ውግኣት ድምብርጽ ዘየበለ ተጋዳላይ ነበር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ፖለቲካዊ ምሕደራን ፍሽለት ከመዝግብ ንሰማዒኡ’ውን ኣይጥዕሙን። መራሒ ካብ ህዝቢ ተመሪጹ ንህዝቢ ኣኽቢሩን ተማእዚዙን ክኸይድ ዝግባእ ክንሱ፡ ብግልባጡ፡ ባዕሉ ብኢደ ወነኑ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሓደ ሰብ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክብተን ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ነበረት ክትከውን ሜላታት እናቐያየረ ይሰርሕ ኣሎ። ንኸብዶም ዝሓደሩን ኣምለኽትን ከኣ ብሆታን ዕልልታን ይዕጅብዎ ኣለው። እዚ ሃገራዊ ክሕደት’ዩ። ነቲ ዝበዝሕን ኣብ ህላወ እዚ ሓደ ሰባዊ ስርዓት ረብሓ ዘይብሉን ኤርትራዊ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝበለ ምሕደራ 27 ዓመት ምጽንሑ ውርደት’ዩ። ፖለቲካውን ታሪኻውን ውርደት።

ብርግጽ ኣብ’ዚ ፖለቲካውን ታሪኻውን ውርደት ኩሉ ኤርትራዊ ኣእጃሙ ዘልዕለሉ’ኳ እንተኾነ ብማዕረ ዝሕተተሉ ግን ኣይኮነን። ቀዳማይ፡ እቶም ንኢደ-ወነናዊ ስልጣን ሓደ ሰብ ዓጽምን ስጋን ኣልቢሶም ዝከናኸንዎ ዘለው ኣብ ትሕቲ ስማዊ ውድብ ህግደፍ ዝተሓቑፉ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ኣባላት ተሓተቲ’ዮም። ካልኣይ እቶም ሚኒስተር፣ ጀነራል፣ ኣመሓደሪ፣ ኣምባሳደር …ወዘተ ዝብል ስማዊ መዓርግ ለቢሶም ንሓደ ሰብ ከሐጉሱ ኣብ ገበናዊ ተግባራት ዝቆማጥዑ ዘለው ሽሞኛታት ተሓተቲ’ዮም። ሳልሳይ፡ እቲ ብረት ሒዙ ኣብ መጓሰ ጥሪትን ሕርሻዊ ማእቶትን ሰበስልጣን ብዘይ ክፍሊት ብባርነት ዘገልግል ዘሎ፡ ዕላማ ኣልቦ እኩብ ሰራዊት ተሓታቲ’ዩ። ራብዓይ ካብ ሞያዊ ስነ-ምግባር ኮብሊሎም፡ ህዝቢ ንምድንቋር፡ ንውልቀ መላኺ ድማ ንምቅንጃው ተጊሆም ዝሰርሑ ዘለው ጋዜጠኛታትን ስነ-ጥበበኛታትን ተሓተቲ’ዮም። ሓሙሻይ ፕሮግራም ቀሪጾም ደምበኦምን ኣረኣእያኦምን ኣነጺሮም፡ ግን ከኣ ሕድሕዶም ኣብ ምትህልላኽ ተጸሚዶም ወርቃዊ ናይ ለውጢ ዕድላት ዘምክኑ ዘለው ደለይቲ ደሞራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን መሪሕነቱን ከኣ ብፍላይ ተሓተቲ’ዮም። ሻድሻይ፡ ኣብ ክሊ ናይ ንእስነት ዕድመ ዝርከቡ ወገናት ዜግነታውን ሃገራውን ግቡኦም ብዝግባእ ብዘይምፍጻሞም ተሓተቲ’ዮም። ሻብዓይ፡ ብናይ ቀለም ትምህርቲ ቅድሚት ዝሰጎሙ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ብፍልጠቶም ገለ መንገዲ ዓወትን መዋጽኦ ካብ’ዚ ዘሎ ሽግርን ዝኸውን ከስተምህሩን ኣንፈት ከትሕዙን ብዘይምኽኣሎም ተሓተቲ’ዮም….ወዘተ። ሓንቲ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ብዝኾነ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ውድብ እንተኣተወት ከም እንደነገሩ ምኾነ፡ ብዝተናወሐ ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ዝሓለፈት ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ኣትያ፡ ናብ ገምገም ውድቀት ክትበጽሕ ምርኣይ ግን ልዕልቲ መሪር ኣካላውን ሕልናውን ስቅያቱ፡ ዘደንጹ ዘሕፍርን’ዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ትብዓትን ኣንጸባራዊ ወተሃደራዊ ዓወትን ድማ ብኣሉታ ዝጸሉ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 01-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox