^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 82 guests and no members online

ስርዓት ህግደፍ ሓላፋይ’ዩ፡ ታሪኽ ግን ነባሪ’ዩ

ኣብ ታሪኽ፡ መንግስታትን ውልቀሰባትን፡ ብኽቱር ስስዐን ቅርሕንትን ዓዊሮም፡ ንተቀናቀንቶም ንምጽላምን ህላወኦም ንምርግጋጽን፡ ሕልናን ሞራላዊ ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ሓሶታት ክነዝሑን ሓንጎል ሰብ ክምርዙን ተዓዚብና ኢና። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ዘነውርን ሓጥያት ግን፡ ሰብ ሞያ፡ ንስ-ነምግባርን ክብርን ሞያኦም ረጊጾምን ሕብረተሰብ ዘሰከሞም ሞራላዊ ሕድሪ ጠሊሞምን፡ ኣንጻር ፍትሕን ህዝብን ደው ክብሉ እንከለዉ’ዩ። ጋዜጠኝነት ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ልዑል እጃም ዘለዎም ሞያታት’ዩ። ሓቀኛ ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበሬታ ምምሕልላፍ፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ህዝቢ ንፍትሒ ምጥባቅ፡ ሓድነትን ምክብባርን ህዝቢ ምሕላው፡ ዝተቀብረ ሓቂ ምቅላዕ፡ እሙንን ሓላፍነታውን ምዃን ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝሕግዝ፡ ዘዘናግዕን ዘተስፉን መደባት ምቅራብን’ዩ።

ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ዋላ’ኳ፡ ኣብ መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን ዘይብሉ ዓምጸጽቲ ስርዓታት ሓቂ ንምዝራብ ፈታኒ ብድሆታት ዘጋጥሞ እንተኾነ፡ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ግን፡ ንሞያኦም ከየመራስሑን ብግዝያዊ ረብሓ ከይተታለሉን ብዋጋ ህይወቶም፡ ሓቅን ክውንነትን ከንጸባርቁ’ዮም ዝጽዕሩ። ኣብ ሃገርና’ውን፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ስለዝኣገዶን፡ ብዘይካ’ተ ንሱ ዝደልዮ ዝዛረባ ባዕሉ ዝውንነን ወይ ዝምውለን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ጋዜጠኛ ኮይንካ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ከተንጸባርቅን ንስርዓት ህግደፍ ክትነቅፍን ኣይትኽእልን ኢኻ። ብሓጺሩ፡ ሓቅን ስርዓት ህግደፍን፡ ዓይንን ሓመድን ስለዝኾና ሓቢረን ክነብራ ኣይክእላን’የን።

እቲ ክውንነት እዚ ስለዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊርካ ወትሩ ሓቂ ከተንጸባርቅ ስለዘይትኽእል፡ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነትን፡ ህግደፍ ንምሕጓስ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ምርኻስን፡ ናይ ሕልናን ሞያን ቃልሲ ኢኻ ተካይድ። ወይ ድማ፡ ኣቡኡ ዘፍለጠ ሞያ ጋዜጠኝነት ክትገድፎ ኣለካ ማለት’ዩ። ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ክብሪ ሰብን ቅዋምን ዘይብለን ሃገራት፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብጉድለታትን ትምክሕትን ዝተነድቀ ስርዓት፡ ሓቂ ከተረጋግጽ ኢልካ ምህቃን ዕምርኻ ምሕጻርን ርእሰ ቅትለት ምፍጻምን’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገርና ዓንቢበን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ፈርዮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን፡ ብስርዓት ህግደፍ፡ እናተሃድኑ ግደ ማእሰርትን ስደትን ስለዝኾኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝብና ኣሽምባይ’ዶ ብግሁድ ሓሳቡ ክገልጽን ጉድለታት መንግስቲ ክእርምን፡ ዓው ኢሉ ምስ ጎረቤቱን መቅርቡን ክዛረብ’ውን ንጋዳ’ዩ። ብዝተፈላላዪ ሜላታት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ነፍስወክፍ ስድራ፡ ዓዲ፡ ክፍሊ፡ ኣሃዱ፡ ከባቢ ገጠርን ከተማን፡ ቃርማታትን ናይ እዝንን ስለዝተዋፈሩ፡ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ከይተለሊ፡ ኣብ ሓድሕድ ምትእምማን ከምዘይህሉ፡ ምጥርጣር ከምዝስዕርርን ኮይኑ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓሶትን ጃህራን ዘመተ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ዓወት ኣመዝጊበን ዓለም ዘርያትናን ኢሉ ዘቅርቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት መዋእል መግዛእቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፈጸሞ ገበን፡ ዘስዓቦ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ስደት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ዘይምርግጋእን ብዙሕ ግምት ኣይሃቦን። እቲ ምንታይ፡ ካብ ግሉጽነት ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ሓቂ ይኹን ፍትሒ ምጽባይ፡ ካብ ብዕራይ ጸባ ምሕላብ ይቀልል። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ መዓልቲ ናጽነትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ኣብ ዝምድበሉ እዋን ኣይኮነን ሓቂ ክዓብጥን ከሽካዕልልን ዝህቅን፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ጽልዋን ተፈላጥነትን ኣለዎም ንዝብሎም ሕልና ዘይብሎም ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን፡ ናይ መጓዓዝያ፡ መደቀሲ፡ መግቢ ይኹን ካልእ ወጻኢታት ከፊሉ፡ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉ ኣብ ዝተመርጸ ቦታታትን ምስ ናቱ ሰባት ብምርኻብን ዓቢ ባጀት ይስልዕን ካድራት የዋፍርን፡፡ እታ መንእሰያታ ብጥሜት፡ ግዱድ ዕስክርናን ራዕድን ናብ ስደት እናውሓዘ ትጽንቀቅ ዘላ ኤርትራ፡ መዓርን ጸባን ከምዝፈሳን ብዘይ ሓገዝ ናይ ደገ ብኽልተ እግራ ጠጠው ዝበለት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዝኾነት ክገልጹ ይሕበሩ። ኣብ ቅድሚ ናይዞም መጋበርያ ህግደፍ ኮይኖም፡ ሚዛኑ ዝጎደሎ ሓበሬታ ዝህቡ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት፡ ገንዘብ እምበር ሓቅን ሰብኣውነትን ቦታ የብሉን።

ብኣንጻር’ቲ እሩም ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት፡ ንሞያን ክብርን ጋዜጠኝነት ዘመራስሑን ካብ ካድራትን ፖለቲከኛታትን ስርዓት ህግደፍ ንላዕሊ፡ ካብቲ ስርዓት ዓስቢ ምጭምላቅ ሞያኦም ምቁሽሽ እናተቀበሉ ብብርዖም መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ሕሰም ህዝብና ዘናውሑን ፍትሒ ዝጥምዝዙን ኣይተሳእኑን። እቶም ንኽነብሩ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራን መጉልሒ ድምጽን ቀሪቦም፡ ዝተዋህቦም ጽሑፍ ከምዘለዎ ከንብቡ ጥራሕ’ዮም ዝኽእሉ። ነዞም ሰባት’ዚኦም ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ይነብሩ ስለዘለዉ፡ ሓቂ ዘይተዛረቡ ኢልካ ክትከሶም ጸገም’ዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ሓቂ ምዝራብ፡ ምእሳር፡ ምድስካል፡ ምቅታል፡ መቅጻዕቲ ስለዝጽበየካ። ንጽምብል መዓልቲ ናጽነት፡ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ስርዓት ህግደፍ ዓቀኑ ዝሓለፈ ሸፈነ ተዋሂብዎ፡ ብፍላይ እቲ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላም፡ ፍትሕን ምዕባለን’ያ” ዝብል ንኽትሰምዖ ዝሕርክኸካ መግለጺታት፡ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት ስለዝጻረር፡ ዓገብን ኣይፋልን ክትብል ትግደድ። ናይዚ ዓመት’ዚ መደረ መላኺ ኢሳያስ ግን፡ ትዕግስቲ ዝመልኦ’ዩ ነይሩ። ጃህራን ምዝላፍን ንጎረባብቲ ሃገራትን ምዕራባውያን ሃገራትን ኣይነበሮም። ኣብ ኤርትራ ስማዊ ኣገልግሎት ኤለኽትሪክ ከምዘሎ ግን ዳግማይ ተኣሚኑ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ መልሓሶም ዘብልሑን ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳያት ሃለው ዝብሉን ሰባት ግን ነይሮም። ካብቲ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝቀረበ ብዙሕ ዳንኬራን ሸፈጥን ህግደፍ፡ ሓንቲ ፍጻመ ወስ ከብል። ብኣዳላዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ መድያ፡ ምስ “ጋዜጠኛ፡ ጽሓፍን ተማራማርን” ዝብሉ ቅጽላት ዝተዋህቦ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ዝሃቦ ቃለመጠይቅ፡ ንስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዘንዕቅ’ዩ። ዑመር ሸኽ፡ ካብቲ ብዙሕ ህውተታን ክውንነት ዘይምፍላጥን መግለጺታቱ፡ “ኤርትራ ንኸብዶም ዝተዓስቡ ቁንጣሮ መዋቃዕቲ እምበር ተቃወምቲ ዘይብላ ሃገር’ያ” ብምባል ኣዒንቲ ሰብ ኣንቁሩ። ኤርትራ ተቃወምቲ ዘይብላ ሃገር’ያ እንተተባሂላ፡ ብርግጽ ካልእ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየላ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ማለት’ዩ።

ዑመር ሽኽ፡ ምናልባት ብስም ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብቲ መንእሰያት ህግደፍ፡ ህዝቦም ንምስላይን ነውራም ጎስጓስን ንምክያድ ዝስልጥኑሉን ቤት ትምህርቲ ብሞያ ሓሶትን ምጽላምን ስልጠና ካብ የማነ ማንኪ ምስክር ወረቀ ተቀቢልካ እንተኾይንካ ድማ፡ እታ ጋዜጠኛ ትብል ስም ንዓኻ ትምልከት ኣይኮነትን፡፡ ዑመር ሽኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ እስትራተጅያዊ ዞባ ስለእትርከብን ኣብ ከርሳ ጥንታዊ ቅርስታትን ስልጣነ ሰባትን ስለዘለዋን፡ ብዙሓት ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ከምዝጥምታኣን ኣንጻራ ሽርሕን ጸለመን ከምዘካይዳን ተንቲኑ። ሓታትን መላስን ስለምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዱሊስ ጥንታዊት ስልጣነ ሰባት ከምዝነበረትን ንበጻሕትን ተመራመርትን ኣገዳሲ ተረኽቦ ከምዝኾነትን ኣይተረዳእንን። ንስለ ዘረባ “ኣብ ኤርትራ ወርቂ ተሓፊሱ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መስሕብ ብጻሕቲ’ዩ” እናተባህለ፡ ሃብቲ ኤርትራ ግን ኣብ ጁባ ውሑዳት ይኣቱን ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥሜትን ሕማምን ይማስንን’ዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ጽምኡን ጥሜቱን ዘርውየሉ መግብን ማይን፡ ዝዕቆበላ ቤት፡ ሓሚሙ ዝፍወሰሉ ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ፍትሕን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን’ዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልዮ ቀዳምነታት፡ እንታይነትን ኣገዳስነትን ኣዱሊስን ከባቢኣን ምፍላጥ ዘይኮነ፡ ምትካል ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና፡ ብኸመይ ናብ ሃገረ ተመሊሱ ሰላማዊ ናብራኡ ይመርሕን ብኽብረት ይነብርን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ጉዳያት፡ እቶም ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ክፍትሑ ብርሃን ጸሓይ ክሪኡን፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ስድራቤቶምን ተነጺሎምን መጻኢ ህይወቶም ጸልሚቱን ጊላታት ኮይኖም ዘለዉን ኣሽሓት መንእሰያት ሰላማዊ ህይወቶም ክጅምሩ ምጽዓር’ዩ።

ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ተቃውምቲ ከምዘለዉ ብዓውታ ኣይኣምንን ንመኣዲ ልዝብ’ውን ቦታ ኣይህብን። ኣብ ክንዲ ነቶም ንግዕዘይን ዓምጻጽን ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ዝተቃወሙን ንፍትሕን ናጽነትን ጠጠው ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ኣደዳ ሞት፡ ማእሰርትን ምብትታንን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ምጥባቅን ቅኑዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕን፡ ናይ ክሕደትን ንሞያ ጋዜጠኛ ዘቋሽሽን መልሲ ምሃብ ብገበን ዘሕትት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ሓቂ ንምዝራብ ስርዓት ህግደፍ ዘየፍቅድ’ኳ እንተኾነ፡ ዑመር ሸኽ እቲ ኤምባሲ መድያ ዝሃበካ ምስሉይ ክብርን መዓርግን ወግዓውነት ክለብስን ሚዛን ክህልዎን፡ ናብቲ ኤርትራውያን ከም እንስሳ ተኣኪቦሙሉ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ እስራኤል ዝኣመሰላ ሃገራት ኬድካ መነባብሮ ኤርትራውያን ተዓዘብን ሞያዊ ሓላፍነትካ ኣመስክርን። ዕላማይ፡ ንዓኻ መልሲ ንምሃብን ንሕልኩስ ጠባያት ህግደፍ ንምእራምን ኣይኮነን። እታ ንጸልማት ብርሃን ኢላ ትማጎት መርፍእ ህግደፍ ስለዝተወጋእካ ብቀሊሉ ትሓዊ ኣይመስለንን።

ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተስፋ ምንባር ዝርሓቀቶምን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያንን፡ “ጸጊቦምን ብወያነን ምዕራባውያን ሃገራትን ተታሊሎም” ኢሉ ከምዝጠቀኖም ኣይፈልጥካን ዝብል እምነት የብለይን። ናትካ መግለጺ ካብ ርእሲ ህግደፍ ብናትካ መልሓስ’ዩ ዝድገም ዘሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ፡ ንመደበር ተለቭዥን ኣልጀዚራን ቢቢስን፡ ዘይቅኑዕን ዝንቡዕን ሓበሬታ ከምዝዝርጋሓን ንፖለቲካዊ ረብሓ ብሃገራት ከምዝምወላን ገሊጽካ። ምስቲ ብልሕኻን ተሞኩሮኻን፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ከይኣለኻ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ መንገፍ ከተውጽእ ከምዘይትኽእል ኣይትስሕቶን ኢኻ። ክቡር ሞያ ጋዜጠኝነትን ብርዕኻን ሓቂ ንምምጓት እምበር፡ ልዕሊ’ቶም ብረት ዝዓጠቁ ኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክትዝልፍን ንክውንነት ክትጥምዝዝን ኣየምሕረልካን’ዩ።

ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ እዛ ኣነ ዝጽሕፋ ዘለኹን ንስኻ ኣብ ኤምባሲ መድያ ዝገበርካዮ ቃለመጠይቅን ሒዝና፡ መን’ዩ ሓቀኛ ክንማጎት። ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል ዑመር ሸኽ ሕጂ’ውን ግዜ ኣለካ ናብ ልብኻ ክትምለስን ንሓቂ ጠጠው ክትብልን። ብጽሞና ኣስተውዕል ዑመር ሸኽ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነባሪ ኣይኮነን። ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ክጉሓፍ’ዩ። እቲ ንስኻ ትጽሕፎን ትዛረቦን ጸለኻ ግን ነባሪ’ዩ። ናብ ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ክሰጋገር’ዩ። ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ’ዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ስደትን ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍን ዘሎ ህዝብና ድማ፡ እዋን ምስርሃወ ክኽዕበካ’ዩ።

ወዮ ድኣ ስርዓት ህግደፍ ዘይስቆሮ ኮይኑ’ምበር፡ እዚ በብእዋኑ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ስለዝስኣነን ስለዝመረሮን እምበር ንስርዓት ህግደፍ ስለዘፍቅር ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ብትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ ስለዝኾነ፡ በቲ ሓደ ኣብ ኤርትራ ሰላም ከምዘሎ እናተጃህረ፡ ግምጥል ኢሉ ድማ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ “መንግስተይ ንምዕላውን ኣብ ኤርትራ ዘይምርግጋእ ንምፍጣርን ተቃወምቲ የዕጥቃን የሰልጥናን ኣለዋ” ኢሉ ይኸስስ። ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት፡ ብፍትሓዊ ሕጊ ዘይምእዘዝን ልዕልና ሕጊ ዘየኽብርን ስርዓት፡ መሰል ህዝቢ ከኽብር ኣይክእልን’ዩ። ሓሶትን ሓርጭን እናሓደረ ይፎኩስ ከምዝብሃል ግን፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ እቲ መሰረት ዘይብሉን ኣብ ግዝያዊ ረብሓ ዝተመርኮሰን ምስ ሓቂ ተላቲሙ ከምዝሓፍርን ከምዝስዓርን ፍሉጥ’ዩ።

ብስነ ምግባርን ሞያን ጋዜጠኝነት፡ እቲ ንኸብዱ ክብል ዘዋቅዕን ምስ ጨፍላቂ ህዝብና ስርዓት ህግደፍ ዝጭፍር ዘሎ ዑመር ሸኽ እምበር፡ ኣብ ግዳም ዘለዋ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓን፡ ራድዮታት ኣሰና፡ ወጋሕታ፡ ኤረናን ካልኦትን ኣይኮናን። እቶም ብዙሕ ውረድ ደይብ ሰጊሮምን ናብራ ስደት ተጻዊሮምን፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነት ኣኽቢሮም፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብና ቃንዛኡን ሕሰሙን ዓለም ንኽፈልጦ በወለንታዊ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣናብስ እምበር፡ ካብ ውልቀ መላኺ ጉንዖ እናተቀበሉ ወስለትለት ኣይበሉን። ስርዓት ህግደፍ ሓላፋይ፡ ታሪኽ ግን ነባሪ ምዃኑ ኣጸቢቆም ስለዝፈልጡ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ህዝቦም በጃ ክሓልፉን ብርዖም ቀለማ ክሳብ ትጽንቀቅ ንሓቂ ክቃለሱን’ዮም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡

                                                       ድ.ሰ.ደ.ኤ 01-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox