ሓሶት ዓሰርተ ግዜ ተደጋጊሙ ይዘረብ ውጽኢቱ ሓሶት ‘ምበር ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን። ሓሶት ንውሱናት ምስ ሓቂ ዝተጋጨው ጠቕሚ ፈሊጣውያን ’ምበር ንህዝቢ ከም ህዝቢ ኣይውክልን። ኣየገልግልን ድማ።

ባህሊ ሓሶት ብውልቀ ሰብ ደረጃ ክኸውን እንከሎ ጽልዋኡን ጉድኣቱን ውሑድ’ዩ። ናይ ምሕሳው ምድንጋር ባህሊ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብዝተቖጻጸረ፡ ንነብሱ ብመንግስትነት ብዝፈልጥ ትካል ክኸውን እንከሎ ግን ኣዝዩ ዘንብድ ዘሕፍር ዘብጸሖ ዕንወት ከኣ ዝኸበደ’ዩ።

ሓሶትን ምድንጋርን ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል ተወሲዱ፡ በረኣእያ ተኣሚንሉ መደብ ወጺእሉ ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ክስረሓሉ ምርኣይ ህዝባውን ሃገራውን ውርደቱ ቀሊል ኣይኮነን። ስለምታይ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ብደረጃ መንግስቲ ዝውቱር ኣይኮነን። ኩለ መዳያዊ መትንታት ሃገር ዝተቆጻጸረ ሓይሊ፡ ኣብ ክንዲ ብሕግን ብደሞክራስያዊ ኣገባብን ብሓሶት ብምድንጋር ክመርሕ ምምራጹ እወ ዘይንቡር ሜላ ምሕደራ’ዩ።

ኣብ ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ ዘይኣምን ግን ከኣ፡ ብህዝብን ሃገርን ከም ዝግደስ፡ ነጻነትና ልኡላውነትና ስውኣትና ዝደጋግም እንኮ-ሰባዊ ስማዊ መንግስታዊ ህግደፍ ብዙሕ ሓሶት ዘሪኡ፡ ብኡ መጠን ብዙሕ ዕንወት ከብጽሕ ‘ምበር፡ ብመርተዖ ብሰነድ ወይ ብተግባር ኣብዝን ኣብዝን ህዝባዊ ጠለብ መሊሰ ኢሉ ብድፍረት ክዛረበሉ ዝኽእል ቁም-ነገር የለን። ህግደፍ ከኣልክዎ ኢሉ ንግሩሃት ንምንድንጋር፡ ባዕሉ ንባዕሉ ዝገብሮ ወደሳን ገዲፍና፡ ህዝቢ ከም’ዚ ሓሪሙና ነይሩ ሳላ መንግስትና ድማ እዝን እዝን ተመሊሱልና ኢሉ ምስክርነቱ ዝህበሉ፡ ካብ ዘረባ ዝሓልፍ ብተግባር ዝተሰላሰለ ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ስራሕ የለን።

ህዝቢ፡ ህግደፍ ብሓሳብን ብተግባርን ህዝባዊ፡ ደሞክራስያዊ፡ ሕጋዊ እናሃለወ፣ ጸረ-ህዝቢ፡ ጸረ-ደሞክራስያዊ፡ ጸረ-ሰላም፡ ጨካን ፈራሕ ኢሉ ኣይምገለጾን። ብሰንኩ ዓዱ ገዲፉ ኣይምተሰደደን። ባህልና “ ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ኣወንታዊ ሰረት ዘለዎ ሰለዝኾነ፡ ንገባሪ ሰናይ፡ ገባሪ እከይ ኢልካ ከተጸልም ኣይፈቅድን። ህግደፍ ብሓሳብን ብተግባርን ኣንጻር ሃገራዊ ሰላም፣ ኣንጻር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ፣ ኣንጻር ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ፣ ኣንጻር ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ኣንጻር ግልጽነትን ሓቅን ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ግን፡ ጠለማ ከዳዕ ኢሉ ይገልጾ ኣሎ። ህዝቢ ገለ ልቢ ኣዕቢዩ፡ ገለ ውላድና ዝብል ተደናጊሩ፡ እናተኸላበተ፡ እናተቐጥቀጠ፡ እናተኣሰረን ሰባት ካብ ጎኑ ተወሲዶም ክቕተሉን እናረኣየ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ተዓጊስዎን ተጸሚምዎን’ዩ።

እቲ ካብ ልቦናን ሓላፍነትን ዝብገስ ምጽማም ከም ዕሽነትን ፍርሕን ስለ ዝተወስደ ግን፡ ጃንዳ ህግደፍ ናይ ሓሶት ጸላእቲ ፈጢሩ፡ ብምድንጋር ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ካብ ምጽዓር ኣይተቖጠበን። ባዕሉ ዝፈጠሮ ኣብ ማይ ቤቱ ዘሎ ሽግር ፈቲሑ፡ ዘቤታዊ ሰላም ኣውሒሱ፡ ናብ ህዝቢ ቀሪቡን ኣኽቢሩን ናይ ስልጣን ሽወሃቱ ኣብ ክንዲ ዘርዊ፡ ኣነ ሕድሪ ሰማእታት ይፍጽም ኣለኹ ግን፡ ተጻባእትን ጸላእትን በዚሐሙኒ። እከለ ከምዚ ሓሲቡ እከለ ምስ እከለ ንጥፍኣትካ ተዛትዩ። እከለ ከም’ዚ ገይሩ እናበለ ሓሶት ዘሪኡ፡ ደገፍ ህዝቢ ረኺቡ ኣስተርህዩ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ።

ሓቂ ሒዙ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዘቤታዊ ጸገማት ናብ ህዝቢ ቀሪቡን ተላዚቡን ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝበላሓት፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብልኡላውነት ተደፍረ ብሓሶት ኣደናጊሩ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ንውሽጢ ንግዳም ክጥምት፡ ንዕኡ ደጊፉ ንዘይጸላእቱ ክጸልእ ከንቱ ፈተነ ይገብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ከምቲ እስላማዊ ስርዓት ሱዳን ኣኽረርቲ ጉጅለታት ኣስላም ኣዕጢቑን ኣስኒቑን ሓድነትካ ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ። ስርዓት ወያነ ልኡላዊ ግዝኣትካ ንምጉባጥ ገለ ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓባይ ትግራይ ኣስፊሩ፡ ክዛወሩ ናብ ባድመ ንዝኣተው ኣባላት ሓይልታት ምልክልኻል ኤርትራ ቀቲሉ፣ ምምሕዳር ኣመሪካ ታሪኻዊ ጸላኢኻ’ዩ ….ወዘተ ብዝብል ዝተፈብረኸ ባዶ ሓሶታት፡ ስምዒት ህዝቢ ኣረሳሲኑ ሰብኣውን ነዋታን ዓቕሚ ሃገር ዝሃሞኸሉ መድረኽ ከምዘይኮነ ክግንዘብ ኣይከኣለን።

ቅድሚ 20 ዓመት ብስም ነጻነት ስዋኣትን ልኡላውነትን ኣደናጊሩ ኣብዘይፍትሓዊ ውግእ ዝጠበሶ ህዝቢ፡ ካብ ተመክሮኡ ከም ዝተማህረ፡ ጸላኢኡ መን ምዃኑ ኣለልዩ ከም ዘሎ ከንብብ ከመዛዝን ዘይምኽኣሉ፣ ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምሕላሙ ብመጽናዕቲ ብፍልጠት ዘይኮነስ ብሃውሪ ብስምዒት ተመሪሑ ይኸይድ ከም ዘሎ’ዩ ዘመልክት። ኣብ 2011 ኣብ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተፈጥረ ህዝባዊ ቁጠዐ ዝወለዶ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኤርትራ ትርከብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፣ ኣብ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ንውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ትምህርቲ ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ብምእታ ብዝሓለፈ ናይ ሓሶትን ምድንጋር ተግባሩ ኣብ ክንዲ ምሕፋር ክደግሞ ምሕላኑ ለባም ዘይብሉ ባዶ ምትእኽኻብ ከም ዝኾነ ሓባሪ’ዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብእግረ መንገዳዊ በይናዊ ውሳነ ኣብ 20 ሰነ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ክዛተ ቅሩብየ ክብል ካብ ዝገልጸሉ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ብ11 መስከርም 2018 በከፊል ድሕሪ ምኽፋቱን ዜጋታት ኤርትራ ከመይ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝወሓዙ ብዓይኑ ርእዩ ክንሱ፡ ንቕሓትን ቁጠዐን ህዝቢ ኣብ ናይ መወዳእታ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ ምምዝዛን ተሳኢንዎ፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ከደናግሮ’የ ኢሉ ዜና ሓሶት ምቅላሑ ኣግራሞት ዝፈጥር’ዩ።

ዘይሕጋዊ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግሉጽነት ብዘይብሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዛትየ ስምምዓት ከቲመ ኢሉ ህዝቢ ግን ኣይፈልጥን። ዶብ ኣገባብ ብዘይብሉ ተኸፊቱ፡ ኣገባብ ብዘይብሉ ድማ ተዓጽዩ ህዝቢ ኣቖጢዑ ኣንጻሩ ክሕርን ገይሩ ከም ዘሎ እንተዘንብብ፡ ነዚ ኣብ ዕለት 3 ሚያዝያ 2019 ኣንጻር ቱርክን ሰዓብታን ክብል ዘውጸኦ መግለጺ ኣይመውጸአን።

ኣብ ናይ 3 ሚያዝያ 2019 መግለጺኡ መንግስቲ ቱርኪ ኣንጻር ልኡላውነተይ ይሰርሕ ኣሎ። እስላማዊ ሊግ ዝበሃል ውድብ ኣብ ካርቱም ተመስሪቱ። ቀጠር ብገንዘብ ትድጉም ኣላ። ተፋሊጥና ኣለና ክንረአ ኢና ምባሉ፡ ሓሲኻ ህዝቢ ምንድንጋር ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል ሒዝዎ ከም ዘሎ’ዩ ዘረጋግጽ።

እዚ ብሓሶት ህዝቢ ኣደናጊርካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ዝብል ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል ሒዝዎ ዘሎ ዛዕባ፡ ማእከል ናይ’ቲ ውጥን ንህዝብታት ኤርትራ መሊስካ ምድቓቕ’ዩ። መሬት ኤርትራ መፈተኒ ኣጽዋር ውግእን መነሃርያ ዓለማውን ዞባውን ሓይልታት ኮይኑ ከገልግል ብምግብር፡ ውሕስነት ውልቃዊ ስልጣን ንምርካብ ዝዓለመ ፍረ ኣልቦ መኻን ባህጊ’ዩ።

ብእንኮ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝዝወር ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ብቐጥታ ናይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን መሳርሒ’ዩ። ብተዘዋዋሪ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡኽ’ዩ። ብጎኒ መማኽርቲ ህልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ። እቲ ናይ 3 ሚያዝያ 2019 መግለጺኡ ልቢ ኢሉ ንዝተኸታተሎ ከኣ፡ ክልተ ደምበ ፈልየሉ ኣሎ። ብስዑዲያ ዝምራሕ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካ ዘለውዎ ብሎክ ብሓደ መዳይ፡ ሃገረ ቱርኪ፡ ቐጠርን ሱዳንን ዘለውዎ ድማ በቲ ካልእ ወገን። ምሳኹም ስለዝተዓረቕኩ ይህረም ኣለኹ ትገብሩ ግበሩ ዝብል ስውር ናብ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ’ውን ንምግማት ይከኣል።

መግለጺ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ዝገበርኩሉ፡ ብቱርኪ፡ ቀጠርን ሱዳንን ዝድገፍ ኣንጻረይ ዘቕነዐ እስላማዊ ሊግ ተመስሪቱ ክብል እንከሎ ካብ’ቲ ሕሉፍ ብሓሶት ህዝቢ ኣደናጊርካ ኣብ ሓዊ ናይ ምጥጣቕ ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ብሉይ ሕልሙ ተበጊስካ፡ ኤርትራዊ ንውሽጢ ምጥማት ገዲፍካ ንደገ ጠምት፣ ነቶም ንሱ ዘለዎም ብሎክ ድማ ሓግዙኒ ካብ ውድቀት ኣድሕኑኒ ውሽጣዊ ጭንቀት ዝወለዶ ሕሱር መግለጺ’ዩ።

ቱርኪ ምስ መንግስቲ ሱዳን ይኹን ካልእ ተሰማሚዑ ዘዋጽኦ ወፍሪ እንተገበረ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝቕንዘወሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ብመሰረቱኸ መንግስቲ ቱርኪ ንመሰልን ረብሓን ህዝብታት ኤርትራ ዝጻባእ ብሓሳብ ይኹን ብተግባር እንታይ ስለ ዝበለን ዝገበረን’ዩ? ኢልካ ምስ እትሓትት ዝርከብ መልሲ ምንም ዝብል’ዩ። ስለምንታይ ደኣሞ ዶብ ሰጊሩ ንዘይተንከፎ ዝትንክፍ? ካብ ህዝቡ ተነጺሉ ኣብ ናይ ደገ ሓይልታት ዝተጸገዐ ዝመሽመሸ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክገብሮ ዘለዎ ከምኡ’ዩ። መንግስቲ ቱርኪ ምስ ኣመሪካን ስዑዲያ ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዘይብሉ፡ ንመንግስቲ ቱርኪ ምኽሳስ ምጽራፍ ንኣመሪካን ስዑዲያን ንምሕጓስ’ዩ። ይኹን ‘ምበር ትሕዝቶኡ ግን ሕሱር ስልቲ’ዩ።

ብመሰረቱ ጃንዳ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ እቲ ንቡር ሃገራት ዝምርሕሉ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ስለዘይብሉ፡ ንህዝቢ ብሓሶት ምድንጋር ክጥቀመሉ ምሕላን ሎሚ ናይ መጀመርያኡ ኣይኮነን። ወትሩ ዝጥቀመሉ መለለይ ባህሪኡ’ዩ። ክሃርሞ ዝደለየ ዕላማ ድማ ክልተ’ዩ። ኣንጻሩ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ብእስላምን ክርስትያንን ሓዊ ኣጒዱ ብርሑቕ ኮይኑ ክስሕን እዚ እንተዘይተዓዊትሉ ከኣ፡ ነቲ ብሕራነ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ኣዘሓሒሉ፡ ንሱ ናብ ዝደልዮ ኣንፈት ጠውዩ ንምቁጽጻር፡ ካብ’ቶም ብተለኣኣኽነት ዘገልግሎም ዘሎ መንግስታት ኩሉ ሽነኻዊ ደገፍ ንምርካብ’ዩ።

ሎሚ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ስለ ዘይኮነ ግን ናይ ሓሶት ፈተነኡ መሊሱ ዘንዕቖ ዘነጽሎን ዘህርሞን ‘ምበር ፖለቲካዊ ሩሕ ክዘርኣሉ ዝኽእል ኣይኮነን። ብጉልባብ ብሓሶት ዝተፈብረኹ ናይ ደገ ጸላእቲ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ርሱን ተቓውሞ ክብድህ ዓቕሚ የብሉን። ካብ ጭንቀት ተበጊሱ ንስለ ምባል ዝብሎ ዘሎ’ዩ። ሓሲኻ ህዝቢ ምድንጋር ከም ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ መትከል ምጥቃም ናይ ውርደት ውርደት’ዩ። ረዳኢ ዘይብሉ በይናዊ ኣውያት ድማ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 05-04-2019