ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ

             ብገ/ሚካኤል ሃብተጽዮን/ጀርመን

                       3 ሓምለ 2008

 

ብኣዉራጃ ተጉስጉሱ ተፈቲኑ

ህዝቢ ኪዒቡኩም ፈሺሉ መኺኑ

 

ብዙሕ ተቁዚሙ ሓለይቲ መስልኩም

ብቃላት ህግደፍ ብዙሕዉን ጽሕፍኩም

ብኣስላማይ ክርስትያን ነይገደፍኩም

ጸረ ምሕዝነት ጸረ ኪዳን ብዙሕዉን ፈቲንኩም

ኣይተዓወትኩምን ብኹሉ ፈሺልኩም

ንኩለን ብጅምላ ሓንቲ ከይገደፍኩም

ጸሎሎ ቀቢእኩመን ብክድዓት ከሲስኩም

ተጋጊኹም ኣለኹም ማአዝን ስሕትኩም

ከይሓፈርኩም ከአ ተቃወምቲ ምባልኩም

ናይ ሕማም እንተኾይኑ ምሕረት የዉርደልኩም

ብፍላጥ እንተኾይኑ ህዝቢ ባዕሉ ይፍረደኩም

ቅጥዒ ኣልቦ ሓሶት ጽሑፋቶም

ኣይትሃመለሎም ተቛመቶም

ከነቃልዖምዶ በብሓደ ኣስማቶም

ክንግንጽሎዶ ኩሉ መዝገባቶም

ክብሪ ዝሳአኑ ኣብ ዕብየቶም

ብብርሃኑ ዓለም ዝሓርበቶም፣

 

      ህዝብና ይደሊሎ ዘድሕኖ ካብ ጸላእቱ (ጨፍለቕቱ)

      በብኣዉራጃና ምባል ድኣ እንታይ መልእኽቱ

      አበር ዳአ ከይህልዎ ብዉሽጡ ብታሕቱ

      ኣምላኽ የድሕነና ካብ ስሩ መዓቱ

      እዚ ለዋህ ህዝብና እንታይ ሓጥያቱ

      ተቃሊሱ ተሰዊኡ እኮ’ዩ ኣምጺእዋ ነጻነቱ

      ንዝሓልሙ ኣቀኒዑ ብረቱ

      እንቢ ንዝበሉ ጸኒዑ መኪቱ

      ኣዋልዱ ኣወዳቱ

      ኣደታቱ ኣቦታቱ

      ሕጅንከ ሰማዒ ስኢኑ ኣዉያቱ

      ነዚ ዝተረፈ ግበሩ ኣመቱ

      ሓቢርና ንቃለስ ንድሕነቱ

     

 

ዉድቀት ፍሽለትን ንስርዓት ህግደፍ

  ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና