ዝተደናገሮ
ስርዓተ ሕምሽምሽ
እናረአናዮ
ይወድቕ ኣሎይምሽምሽ
ብተስፋማርያም
ወ/ጊዮርጊስ 04/06/0/
ኖርወይ
ህግደፍ
መዳናገሪ ሓንሳብ
ኣብቲ ድሓር ምስቲ
ንይምሰል ብዘይ
ቅዋም ኣለኹ ዝብል
መንግስቲ
ዓለም ኪዒባቶ ደጊም
የብሉን ዝተኩብ
መጽዋቲ
ብዘይካ ሓደ ሓደ
ገዳይም ዓማዊሉ
መጣቓዕቲ
ባህ
ኣይበሎ ንኣመሪካ
ምሕዝነት ምስ ኢራን
ቺና
መፋደይ
ሕነ ገይርዎ ከይፈለጠ
ኣገሪሁ ንህዝብና
ወያኔ
ወያኔ ኣመሪካ እትብል
ደርፊ ገሩ ኣሽኪዑና
ጽልእን
ቅርሕንትን ከም
ንፈጥር ምስ
ጎሮባብትና
ውሽጣዊ
ታይ ይካየድ ከምዘሎ
ሓንቲ ከይፈለጥና
ወይ ድርቅና ጻዕዳ
ሓሶት ንኹሉ ከይሓፈረ
ኣሉ
ሃገርና ጥሜት
የብላን ክብል ድኻ
ህዝቢ ወኪሉ
ሽግር ህዝቢ ክኽውል
ኣብ ዓለም እናተረአ
ስእሉ
ዘዕበየቶም
ኣኽላባት ነኺሶማ ከምዋዛ
ናሽካዕለሉ
ክትዛረበሎ ዘጸይፍ ዝተጎንፉ
ድዮም ዝተጸለሉ?
ህግደፋውያን ብመልሓሶም
ወሓላሉ ምዕቡላት
ኣብ
ተግባር ተረኣኻ ባዶ
ገረውና ጭራ ዓለም
ካብ
ንሰላም ቅሳነት
ውሉፋት ንዕግርግር
ኲናት
ክሓድቲ ካብ
ንህዝቦም ዘፍቅሩ ንኤውሮ
ዶላራት
ደቁ ሓቊፉ ኣብ ዓዲ
ደሞክራሲ ቀሲኑ
ከጻወት
ንወዲ ተካሊት ዘፋኑ
በጅኡ ክሓልፍ ንኽመውት
ውግእ ከም ጓይላ
ዝመስሎም ስለ ዘለዉ
ጸማማት
የሕዝን ምእተዚኦም
ዝስዋእ ሓላው ወሰን
ሰራዊት
ዘገርም ድማ
ናይ ዘን ሰብ ቁናኖ
ሰብ ኩትሻ
ሓንቲ
ከይፈለጣ ልጓመን
ፈቲሐን ዝጎያ ዝምርሻ
ክንዲ
ጸሎት መቑጸርያ
ደርብየን ብኾቦሮ
ዝታኾሳ
ህግደፍ
ዝሰረየን ቆልዑ
ክቕየራ ኣዐርየን
ክፈኹሳ
ናይ ኣደታት
ረሲዐን ኣጋሞተን ንሕማቕ
ዝወርሳ
ክልተ
ሾውዓተ ተሓጸባ ናብ
ጥዕናኽን ክትምለሳ
ተጎዲእክን ሓንጎሉ
ዝሳሓተ ዑቡድ
ኣይምራሕካ
ዝበኣሰ ድማ ኣንታ
ላልማዬ ትብል
ተሕዝነናለኻ
ህዝብኻ እናጠፍአ
ከይተእውየሉ ጨኪንካ
ዘለኻ
ምስ ወግሐ ጽባሕ
ብዝገበካዮ ክትሓፍር
ኢኻ
ተካሊት
ኤሪትራ ዘይተጸበየቶ
ሕማቕ ረኺባ
ጥዑይ
ኣጥፊኣ ሓንጎሎም
ዝሰሓቱ ዕቡዳት ኣኪባ
ኣየሕፍርንዶ
ተሓቲትካ ኣሉ?
ንሃገርሲ የሕፍርባ
እንኳን
ንሕናስ ብሓሶቶም
መላእ ዓለም ዘቕቢባ
ብጥምየት
ከብዱ ሓቊፉ እናሓደረ
ዝኹሉ ጸበባ
ኣየገርምንዶ
ክብሉኻ ከለዉ ህዝብና
ሓደዩ ልባ?
ትማል ታይሉ ሎሚኸ
ታይበለ ምርዳእ ሲኢና
ንሕናውን ጥዕና
ጎዲሉናሎ ብሓሶቱ
ካብተማረኽና
ሎሚ ዝበሎ ንጽባሑ
ኣሉቀጣን ክብል
እናሰማዕና
ብጸርፍን ሓሶትን
ካብ ሕብረተሰብ ዓለም
ነጺሉና
ከም ድላዩ ክዕንድር
ሱቕ ኢልና ንሰምዖ
እንተኾና
ደሞክራሲ ዝበሃል
ቃል ረስዕዎ ከይትሓቱ
እናበለና
ንሱ ጥራይ ኣይኮነን
ሕሙም ንኩልናዩ ኣጸሊሉና
በዓል
ነጻነት ዕንክሊሎ
ሓሸውየ ሓሊፉ ብቖልዑ
ጎበዝ
ተሳኢኑ ሕጻናት
ይቋጸዩ ዝኣረጉ
ከጣቕዑ
መዓለ
ህጻናት ዝተኣርዩ
ውልዶ ገና ዘይጨልግዑ
ረርእሲ
ተሓናጊሮም ሓፍ
ዘይብል ኮቦሮ ክወቕዑ
ንትምህርቲ
ተላኢኾም ክንዲ ሀ.ሁ.ሀ.ለ
ዘጽንዑ
ጓይላ ቀዳማይ
ሰሪዖማ ካልእ
ቁብነገር ከራሳስዑ
ኤረና ኩሑሎ ሎም
ዘመን ሓዲኡሎ