ንሕና ዲና ንጸንሓ ወይ ንስኻ ትጸንሓ

 

ክቡር ፕረሲደንት ንዒቕካና

ጎረባብቲ ብስራሕ ይፈልጡና

ዓለም ብስራሕ ይፈልጡና

ንስኻ ግን ፍጹም ስሒትካና

እታ ርእስኻ ጥራያ ሽክና

መዲብካ ንነዊሕ ክትረግጸና

እንዳበልና ሎሚ ነዊሑና

ሰላሳ አርብዓስ አብዚሕካልና

አብ ውሽጥኻ ከይትገብሮ ክአ ትነግረልና

ስቕ ኢሎም ኢዮም ዝርገጹ ከተብለና

እናሓንሳእ ምስ አምላኽ ትዛረበልና

ብሳንዱቕ ኢዮም ዝመጹ ትብለልና

ቁሩብ እንተዝህልዋ እታ ናትካ ሽክና

ምሓሰበት እንታይ ንብልከ ንሕና

ናይ ኩልና ጎይታ እኮሎ አብ ልዕለና

ንሱ ኢዩ ዘፈልጥ ወይ ክንቅድመካ ወይ ክትቅድመና

አብ ኢድ ጎይታ ዘሎ ስልጣን ክአ ክትጫረተልና

 

እንታይ ኮይኑ ኢዩ ሎሚስ ፈጺሙ ሃውቲቱ

ጦብሎቕሎቕ ስርሑ አብኩሉ ዝአቱ

ጉዳዩ ገዲፉ ጉዳይ እንዳማቱ

ዓቂቡ ዘይክእሎ ንዓወቱ

ዓወት ዝጽውዖ ንፍሽለቱ

ኩሉ ግምጥልሽ’ዩ ስርሓቱ

ጣፍ ዘሪኡ መሸላ ዛእቱ

ሕስረት እምበር ክብረት ዘይፈቱ

አዋሪዱዋ እኮ ሃገር ንምሸቱ

ካብዚ ዝኸፍእ የለን ኩልኹም ክተቱ

ግናይ ይውለድ ሎሚ ዘይከፈተ አዒንቱ

ህዝብና ይደሊ አሎ ዝደርዝ ንብዓቱ

ዘይበራበር የለን ንምሸቱ

ጊዜ ከይሓለፈ ትዓወቱ

 

ኤርትራውያን ንሕሰብ ብጽሞና

ከይንህሉ ፍጹም ተጋጊና

ነነብስና ንሕተት ተመሊስና

ከይህሉ ባምቡላ ይገዝአና

ዝሓይሽ ዝሓስብ ሰብ ንድለ ኩልና

እምነት ነምብረላ እታ ልብና

ንሱ ጥራይ ኢዩ እንኮ ጸላኢና

ካብኡ ዘይሓይሽ የለን አብ ህዝብና

ምስሊ ኢያ እታ ርእሱ ጥራያ ሽክና

ንሃገር ጌሩዋ ፍጹም ዑና

ጥሜት ቀቲሉዎ ንህዝብና

ዓሳ ከይንበልዕ ብኢድና ሒዙና

ከይንነግድ ዶባት ትዓጺዩና

ሓንጎል የድሊያ አሎ ንሃገርና

ስቕ ኢልና አይንርኤ እንዳጸነትና

ኢደይ ኢድካ ንበል ንጽረጎ ኩልና

 

ክብርን ዝኽርን ንስውአትና

ዓወት ክአ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

 

በላይ መስፍን ጀርመን