XG }kq

S D (l`) 24-05-2007

 

MkX ] o Dq

KFo {{q XG }kq?

 

KF] K] ̄|

g | ]q sqiX |

k D rM [mk l}V

I M DM sꉍ HV?

 

mkU sFk[鉍 mkq KrM

}I K[}F k M?

oSk }kq pU oFo

S} M gE DMFo?

 

q | q s]X}}

k M rM [mk mkF?

mkmkSq M mkiFM s]}

DM sK]T k} M sD?

 

q sFk[鉍 ϷX sSk

]DF} M [EMp Bk?

K {T }kq sq{U

]LK oLT {U?

 

ክንዲ ዝርኣዩ ኣብ ጒድጓድ ይበልዩ

ኣብ ጸልማት ይነብሩ ክንዲ ተወፈዩ!

ንእስነት ከፊሉ ዘረከበ ክብረት

ጽሓይ ጨኒቑዎ ናይ ጀጋኑ ሽበት!

 

H} kD }kq D KFo

M pU [X ogo

}[ {T skD| Xoq

}\E\ Kq chkq cFcDq

 

ዋእ! ኣቦ ተቐይዱ፡ ወዱ ተሰዲዱ

ዳኛ ናይ መለኽቲ ደይ ነሱዩ ፍርዱ

ንዒቖምናዶ ቅድሚ ዝኣገረ

ቍልፊ ተሳኢኑ ተፈቲሑ ስረ!

 

ተደፊርና እምብኣር ኣብ ማእከል ገዛና

ብወዝቢ ኣትዮምሲ ወሰን ደርብዮምና

ንሶም ኣብ ኣደራሽ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሎም

ንሕና በብታራ ክራር ንወቕዓሎም

 

ዘበንያ ግርምቢጥ ማይ ሰማይ ንዓቐብ

ዋና ትዓዚሙስ መዘንግዕ ይዛረብ

ቃጽዖ ዘይበሎም መሬት እንዳማቶም

ይሸጡ ይልውጡ ሓረስታይ ረፊቶም

 

ስቕ ኢልና ክንርኢ ዝገበሩ ይግበሩ

ባህልና ክበርስ ተበቲኹ ሱሩ!

ኣይፈልሐንዶ ደምካ ከመይ ዘይትንድር?

ጒንበት ተዘሚትካስ ደኒንካ ትሓድር!

 

ኩባያ ሰሪቖም ብዙሕ ይፍረዱ

ታይ ድኣ ንበሎም ሃገር ዝወሰዱ?

መሬትና ሓሲሩ ክብረት ተቐንጢጡ

ገሊኦም ይገዝኡ ገሊኦም ይሸጡ!

ኣደራሽ ዓደቦ መንከሞ ዘይደልዮ

ንሳቶም የኽፍሉ ንሕና ንካረዮ!

መፍትኦም ወዲኦም ንእሰር ስቕ ኢልና

ኣቕርንቲ ዘይብሎም ኣብዑር በዚሕና!

ኣስደሚሙናኮ በዚሑ ገኒኑ

ጸማምዶታ ሓይሽ ዝትዓጽወ እዝኑ?

ክርእዮም ንድዩሞ ላዕልን ታሕትን ክብሉ

ኣመልያ ምስ መግነዝ ዘይናቶም ከልዕሉ

 

ንዑባ ንማኸር እንታይ ከምዝግበር

ምስ ዓይነ-ብርክና ክንብል ጠምበርበር!

ጅግና ወድ ሃገር እንታይ ዓዘመካ?

ብደውካ ትድቅስ ጒንበት ተዘሚትካ!

 

ስቕ ኢልና ክንርኢ ዝኾነ እንተዀነ

ዕዉርዶታ ሓይሽ ዓይኑ ዝተደፍነ

ክሰምዖም እንድዩሞ ሓሶት ክዛረቡ

ጠውዮም ጠዋውዮም ዘይከውን ከንብቡ

 

ተዋፊሮም እንድዮም ብዓል ጸያቕ ማዕጺድ

ደውየ ዕላምኦም ካብ ዓበቕ ዝገድድ

ህግደፍ ተሻሪኾም ብምስጢረ ዋዕላ

ኣባላሽዮማ ንድዮም ተዘሪጋ ዒላ

 

ኛው-ኛው ዝብሉ ከም ጥምይቲ ድሙ

ትኣሰሩ ይብሉና መሊስኩም ድገሙ

መፍትኦም ወዲኦም ክንእከብ ክንዝርጋሕ

ብድሕሬና ይስሕቁ የብሉዋ ወጋሕ

 

እንታይ ገዲሱዎም ኣዴታት ክበኽያ

መቝሕ እንተኣተዎም ኣቦታት ሰማንያ

ገና ሎ ይብሉና ናይ ሰላም መገሻ

ኣብኡ ክንነብረሎም ጋም-ማን እግሪ ዓሻ

 

ብውሽጢ ጸሚዶም ብግዳም ዓሪዶም

ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይትቃወሙ ሎም

መሰል ዘይለመዱ ኣብ ሜዳ ከለዉ

ኣብኣ ንንቀጽ ኢሎም ህዝቢ ከዐሽዉ

 

እንጥሾው ነይተርፍ ዓለቕቲ ከይወጸ

ሰላም ኣይርከብን ህግደፍ ከይተረግጸ

ምልኪ እንተጠፊኡ ልዑላውነት ይኸብር

ደሞክራሲ ይነግስ ሰብ ሰላም ይነብር

 

መዝሙር ልዑላውያን ኩሉሳዕ ጒተታ

ኣለውና እንዳበልካስ ናብ ዝነበረታ

ጀነራል ናይ ህግደፍ ጀነራል ናይ ሰላም

ደንጒዅሙና ሎም ብጾትኩም ናይ ግዳም

 

ሸንኮለል ኣይንበል ኣይነታልል ህዝቢ

ደሞክራሲ የልቦን ብዋዛ ብወዝቢ

ወይ ሰሚርና ንእመን ብሓይሊ ንመክት

ወይ ህግደፍ ንግደፎ ኣሪጉ ክመውት!!!