በሉ መጸ! መጸ!

ጅግና ኤርትራዊ፡ እቲ ዘይላገጸ

ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)

ሚላኖ~ኢጣልያ

       

ክብረተይ መንነተይ

             ንዘላኣለም መሳግምተይ!

ንጽጹላይ ህ.ግ.ደ.ፍ. እንታይ ወረደኩም

ዓባይ ሰዓል ድያ፡ ዓሶ ሒዛትኩም

ነብስኹም ዘንፈጥፍጥ፡ ምትንፋስ ስኢንኩም

ሸቐልቀል ዓበድበድ፡ ኣብ ሕጂ በጺሕኩም

ምስማዕ ኣቢኹምና፡ ብዙሕ ግዜ ኽንመኽረኩም

ስምረት ተቓወምቲ፡ ተኣዊጁ ምስ ተነግረ

ወዮ ኣንፈጥፋጢ ሓሞትኩም፡ ናበይ ድኣ ኣበለ

ጠፋእና ተለከምና፡ ምባልዶ ተጀመረ

ዘለቕለቕ እምበኣር ኢላ፡ ወያ ናትኩም ስረ

መጸኩም ጸፋዓይ፡ መጸ እናነሃረ

ሓሶት ጥልመት ክሕደት፡ እቲ ናተን ዕድመ

ተነጊርኩም እዩ ሓጺር ከምዝኾነ

ብሰንክኹም መንእሰይ፡ ርሑቕ ምስ ሃደመ

ዘርእና ኽትሓኩ ዉዲትኩም ዝዓለመ

ሕጂ ኣይኮነን ኡይ ኡይ፡ ኣይወዓልኩን ኣነ

ሓየት ልጅ ኢሳያስ፡ እቲ ናትኩም መምህር

ንዓኹም ኣሰሲዑ፡ ምእንቲ ክነብር

ጉድጓድ ኣኹዒቱኩም፡ ሓቂ ንኽቀብር

ብጃህራ ፈኸራ፡ ሓያል እየ ንኽብል

ጥይት ቶግ ምስ በለት፡ ከምዛ ዘይነፍር

ከዓ መጸ መጸ፡ ተባዕ ወዲ ሃገር

ለቀብ ከብለኩም፡ ብዓል ቁጥሚ ፈገር

ሕማቓት ዘይምፍላጥኩም፡ ብሓሶት ከምዘይንበር

ሓሲኻ~ጠሊምካ፡ ኣብ ዓለም ከምዘይክበር

ንሓቂ ዓቢጥካ ሓሶት ከምዘይምስከር

እዛ ናይ ሎሚ ቕነ፡ ገዛ ገዛ ተፍቲሽ

ምልክት ህድማ እያ፡ ንምንዳይ ቱሽትሽ

መሕብኢ እንተተረኽበ፡ ዘይፍለጥ ጉብጥሽ

ናትኩምሲ በይኑ እዩ፡ ዑሱባት ብሞቕሽሽ

ይረኣየኒ ኣሎ፡ ዘባጢኹም ክምርሽ

ሕጂስ ናበይ ናበይ፡ ናበይ ገጽኩም ኢኹም

ብፍርሂ~ብራዕዲ፡ ማይ ኮይና ከብድኹም

ኩሉ ዘምጻእኩሞ፡ ባዕልኹም ባዕልኹም

ንዓይ ይጥዓመኒ፡ ኢልኩም ተዓሺኹም

ኣሕሊፍኩም ሂብኩሙዎ፡ ንወለዶ ሓብሓቢኹም፡

ኣብ ዉድብ ተቓዉሞ፡ ሎቓምጽ ኣእቲኹም

ምእንቲ ከይሰምር፡ ኸካይድ ጻዕርኹም

ህዝቢ ንኽትረግጹ፡ ክነዉሕ ዕድሜኹም

ጥርዓን ኣዉያት ህዝቢ፡ ነይሩ መስሓቒኹም

ሕጂኸ እንታይ ትብሉ፡ ሓጺራግዜኹም፡

ወለዲ ኤርትራ፡ ትማል እተወጻዕኩም

በሉ መጸ!መጸ ኣኽባሪ መንነትኩም

እቲ ክሳዕ ሕጂ፡ ዝሰኣንኩም ዘራይኩም

ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ፡ ብስራት ክህበኩም

ብዘይ ወዓል ሕደር፡ ከስረክብ ክብረትኩም

 

 

ሰናይ ቅነ

18/05/2008