„ንኽብሪ አቦይ ባሻይ ሀይለ ኣስገደ“
ኣብ ትሕቲ ዝብል
ኣርእስቲ እቲ ቐዳማይ
ክፋል ኣብ ዝተፈላለያ
ኤርትራውያን
ወብሳይትስ ዘርጊሔዮ
ቀንየ። ኣብዚ ካልኣይ
ክፋል ጽቡቕ ምክትታል
ይግበረልኩም
እንዳበልኩ ቃል ኣቦና
ባሻይ ሀይለ ኣስገደ
ሎሚ’ውን እንሆ፤
„ንሕና’ኽኣ
ህዝባዊ ግንባር ዋዛ
የብሎምን ደርዓን
ኣውህነን እምባጋሮ ምስገበርና
አነ ሻዱሻዮም በርሄ
ተኽለሀይማኖት፡
ባሻይ ተላ፡ ባሻይ በራኺ፡
ባሻይ ምስግና፡
ተስፋዝጊ በርሄ፡
ባሻይ ሃይለ አስገደ፡
እዚኦም ሽድሽተ፡
ሕጆምና ጸዊዖም
ንእምባ አጥኑጋ
ወሲዶምና፡ አብ እምባ
አጥኑጋ ክልተ ወርሒ
አብኡ ደጊም እንሄልካ
ዳእሲ ሓይሮምና።
ንሕና ዝገበርናዮ
ዘይብልና አሺሮምና
ኢልና እኔሄለይስ ሞት
አይብልና ድንገት
አይብልና፡
እንተተበኣስናስ
ከይዓርቁና እንሄለይስ
ከምዚዶ ይገብሩና፡
ሻዕብያ አሺራ ደጊም
ወሲዳትና ኢልና
ነጕረምርም። ክልተ
ወርሕን ዕስራ
መዓልትን ኣብ እምባ
አጥኑጋ ኣብ ጡብ
ሕዳድ ናይ ድግያት
ገብራይ፡ አብኡ ደጊም
እንሄኻ ዳእሲ፡ ዕንጸይቲ
ዝወፍር፡ ማይ
ዝወርድ፡ ቡን ዝኣሪ፡
እንሄላካ ዳእሲ እዚ
ክልተ ወርሒ ሰሪሕና።
አነ ግና ቡን
አይአረኹ ዕንጸይቲ
አይወፈርኩ፡ ማይ
አይወረድኩ፡
አይኽእልንየ
ኢለዮም። ድሓን አቦይ
ባሽይ ሀይለስ ኮፍ
በሉ ኢሎምኒ፡ ኣብኡ
ምሸት ምስ ተአኻኸቡ
እቶም ተአሲሮም
ዝመጹ፡ ዛንታ ከምዚ
ሕጂ ደጊም እንሄኻ
ዳእሲ፡ ሐደን ሐደን ኢለ
የዛርቦም። ወዮም
ክፍሊ ህዝቢ ርኢኒ
ሐደ፡ ክንደይ ይዛረብ
ሰብኣይ’ዩ ኢሉ።
„አቦይ ሀይለ! ግዜ
ክዉል ምስ በለስ ክዛናጋዓልኩም
በይንኹም ኣብዚ ኮፍ
አይትበሉ፡ ምጹ“
ኢሉኒ፡ ናብኡ ከይደ
ናብቲ ዘለዉዎ
መረብዓት ደግያት
ገብራይ፡ እምባጥኑጋ
ይብሀል። አብኡ ከይደ
ከማዓልኩም
ምስበልኩዎም „ዎ ጽቡቕ፡ ኣብ
ጽቡቕ መጺኹም“
ኢሎምኒ፡ ሕራይ ኢለ
ቡን ክሰትዩ ከለዉ፡
ቡን፡ ከምዚ ዝመሰለ
ቡን ሽኮር ጌሮም ቡን
አጽግብ ኣቢሎምኒ።
ተመስገን አስመራ
ዝአተኹ እምበር
ጥዐመኒ ኢለዮም።
„እንታይ ትረኽቡ አብ
አስመራ፧“ ከምዚ
ጌረን፡ ሽኮር ጌረን
ይህባና፡ ብኡ ደጊም
እንሄኻ ዳእሲ፡ ሎሚ ግን
አብዚ ካብ ንመጽእ
ሽኮር ጥዒምና
ዘይነፈልጥ፡ ተሐጕሸ።
„በሉ እስኪ ነዚ ወዲ
ምሕጹን ማሰ በልሉ„
ኢልኒ። ማሰ፧! ሕራይ
ይብለሉ ንዐድና ድኣ
ስደዱና እምበር
ይገብረሉ ኢለዮ። „ሕራይ
በልሉ„ ኢሉኒ። እቲ
ወዲ ምሕጹን ንሐደ
ወዲ ሐድሽ ዐዲ
ሐደግቲ ገመል ቀቲልካ
ኢሉ ምሳና ኣብቲ
እስሪ ቤት ገቢርዎ፡
ንሱ ወዲ ዓከር
ኣይበልዕንየ ኢሉ፡ ካብቶም
ምሐድር ጣይታ፡ ሀንዛ
ዘለዎን ሃለው እንዳበለ
ይበልዕ። ከምዚ
ይገብር ኣሎ ምስበልዎ
ብበትሪ ጌሩ ዘዝባኑ
ዘቢጥዎ ኣብዛ ቅድሚ
ዓይንና፡ ደጊም
እንሄኻ ዳእሲ ዋእ፡
ኣታ እንታይ ነገሩ
እዩ፡ ዳር ንርኢ
ኣለና ኢልና
ሰንቢድና። ማሰ በልሉ
ምስ በሉኒ፤
ሕራይ
ኣታ ወዲ ምሕጽን፡
ወዲ ምሕጹን
ዘረባኻ
ጽሩይ ክዳውንትኻ
ቅጭን
ኣይትፈቱን
ያአይኻ ሕማቕን
ጓዕጻጽን
ኣይትፈቱን
ያአይኻ ለማጽን
ተበላጽን
እንተተዛረብናካ
ኽኣ ከበድካና ከምዚ
ብርቱዕ ሓጺን
እዛ
ነብስና ናባኻ
ነማሕጽን
እንታይ
ገቢርናካ ኢና እዞም
ደቂ ዓቓጽን፡ ኢለዮ።
ዋይ
ኢሉ፡ „ከመይ ዝበለዩ
እዚ ዘረባ እዚ
ሰብኣይ„ ኢሉ። ዋእ፡
ዋይ ክትብል ኢለ
ኣይኮንኩን፡
ስደደና፡ ኪዱ በለና
እምበር ኢለዮ። በሉ
እስኪ ነዚ ኣለም ክኣ
ግበሩሉ ኽኣ ኢሉኒ።
ስደዱና እምበር ሕራይ
ይገብረሉ።
ኣለም
ከመዓልካ ኣለም
ወረቐትዶ
ይምዕዝ’ዩ ብዘይ
ቀለም
እስኪ
ኣይትሙት ኣይሓዝካ
ደለም
ከም
ሽብዓተ ኮኾብ ጸብለል
ትብሎም
ክዕምብሉሉኻ
ዝበሉ ትዕብልሎም
ብልዓያ
ስተያ ነዛ ዓለም
ዝረገጽካዮ
ይግበረልካ ለምለም
እተዛረብናዮ
ዘረባ ኽኣ ኣይንጣለም
ደቀይ
ኣፋስጋ ቀሪባ’ያ
ስደዱና፡ በጃኹም
በተኽስያን ዓድና ክንሳለም’ክኣ
ኢለዮ። ከምዚ ኢለ
ደጊም እንሄኹም
ዳእሲ፡ ስሒቖም፡
ክንሰደኩም ኢና፡
ክንሰደኩም ኢና፡
ኢሎም፡ ዝሰዱኻ
መዓልቲ
ኣይነግሩኻን’ዮም’የ።
ዊን ምስ በሎም ተንስእ’ዮም
ዝብሉኻ ከምዛ ኮፍ
ኢልካ ዝነበርካ።
ኣይተ
መዝርዑን ኣይተ
ወሰነን፡ ክልተ ሰብ
ነገር ነቢሮም
ይብሃል። ዝበለኒ’ኽኣ
ባሻይ ተመልሶ ቀለተ’ዩ።
ተባህለ ብኣታቶም፡
ክልተ ሰብ ነገር
ነቢሮም፡ ቆጸራ ግበሩ
ምስ በሉዎም ኣብቲ
ቆጸራ ኣይተ መዝርዑ
መይቶም። ኣይተ ወሰን
ተሪፎም። አይተ
መዝርዑ ሞቱየ ምስ
ተባህለ ቀብሪ ደጊም
እንሄልካ ዳእሲ፡
ከይዶም።
አይተ
ወሰን
ወየ
ጐይታና’የ
ነቒልኩም’ዶ’ኽኣ
ኣይተ መዝርዑ
ኣንቱም
ወዮ ቆጽራናስ ሎሚ
እንድኡ
ከሳሳይ
የማን’ያ እንድኡ
ተኸሳሳይ
ጸጋም’ያ እንድኡ
እውሓስ
ሰጋር ክንብሃል ንዑ
ወይ
ጸውዑና ወይ ንዑ
ገዲፍኵምና
ዲኹም ምስ ቆልዑ
እንተልኣኽካዮም
ዘየቕንዑ
እንተጸዋዕካዮም
ዘይሰምዑ
እዞም
ሀገር ኮን እንታይ
የዋግዑ
ትሓጕሹ’ዩ
ዝብል እንተሎሲ ትእቶ
ንገዝኡ
ወዲ
ሰብ ኣይትረፍ እንካብ
መሓዝኡ፡
ኢሎም
ኣልቅሾም ኣይተ
ወሰን፡ ይብለኒ ባሻይ
ተመልሶ ቀለተ።
ኣጅማች
በራኺ ወደ ኣጅማች
ብሩ ምስሌነ ዓረት
ነቢሮም። ሓደ ሊቅ፡
ምሁር ብትግርኛ፡
ዋዜማ፡ ደብተራ፡
ልክዕ ምስ ደባትር
ዝቖሙ
ዝነበሩ’ዮም’የ።
ፈሪሃ
እግዚኣብሄር’ክኣ ብዙሕ
ነቢሩዎም። ግን ንሶም
ንፍትሒ ክንድዚ
ክብሃል ኣይከኣልን፡
ደጊም እንሄኻ ዳእሲ፡
ተሓቢኡ ኣይተርፎምን
እዮም። ቀደም ፈረንጂ
እንታይ ኢሎሞም፡ ሓደ
ብርቱዕ ዘረባ ደጊም
ነዞም መኳንንቲ
ንዅሎም ኣኪቦም፡ እዛ
ነገር እዚኣስ እስኪ
ፍትሑ፡ ፍረዱዋ እስኪ
ምስ በሉ፡ ኵሎም
መምሳሎም ተዛሪቦም።
አዝማች በራኺ ምስ ተዛረቡ
ግና ገሪምዎ እቱ
ኮሞሳርያቶ፡ ፕሮብዮ
ሰለሙን ኢልዎ
ንኣዝማች በራኺ።
ልክዕ ፍርዲ
ሰለሙን’ዩ ናትካስ
እምበር እዙይ
ዘገርም’ዩ ኢሉ
ተገሪምዎም። ድሓር
ሞት ኣይተርፍን
ሞይቶም። ምስ ሞቱ
ኣብዛ ዓዲ ፈረደ
ዝብሃል ወዶም ነቢሩ፡
ኣብዛ ዓዲ ምስ መጹ፡
ኣብዚኣ ሓሚሞም፡
ድሓን’የ እንዳበሉ ካብ
ገዛ ደጊም ጽሓይ
ክጽለዉ ኸለዉ እትዉ
ኢሎም፡ ኤሒማትኒ
ኢሎም፡ ሓንሳብ
ኣይጸንሑን መይቶም።
ሽዑ መራሕ መንግስቲ
ደግያት ኣስፋሃ ወልደሚክኤል
ነቢሮም። ኣዝማች
በራኺ ብሩ መጺኦም
ኣለዉ፡ መይቶም
ኣለዉ’ሞ ሬሳ ዘእቱ
ጽርግያ ጽረጉ ኢልኩም
ትእዛዛ ሃቡ ኢሎሞሞ
ነቶም ኣመሓደርቲ
ቀኘ. ሀይለማርያም
ደበናን፡ ቀኘ.
እምባየ ገረኣምላኽ፡
እንሄልካ ዳእሲ
ዝብሃሉ። ሕራይ ኢሎም
ንዓረት ሰዲዶምላ፡
ኣዝማች በራኺ ተፈታዊ
ብዓረት እንዳቦኦም
ፍቱም ነቢሮም።
ጐይታና መይቶምና
ኢሎም ኵሉ ብዓረቱ፡
ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓዲ
መጺእና ተኣኪብና።
ኣብኡ ምስተኣከበ
ህዝቢ ደጊም እንሄኻ
ዳእሲ፡ ከምዙ ሕጂ
ቶውላዕላዕ ምስኮነ
ንቐኘ. ሀይለማርያም፡
ንቐኘ. እምባየን፡
ኣነ፡ ባሻይ ሀይለ
ኣስገደ፤
ክትስራሕ’ዶ
ትደልዋ ኢኹም እዛ
ጽርግያ፧
እወ!
እምብኣር
ተቓጺጽና፡ እዚኦም’ዶ
ክወስዱና፡ እዚኦም’ዶ
ክወስዱና ኢልና፡
ደጊም እንሄኻ ዳእሲ፡
ክንሰርሓ
እንተደለኹም ሕጂ
ክትስራሕ’ያ ገግዴና
ምቐሉና ኢለዮም።
ሰላም ባሻይ ሀይለ
ተቐቢልናዮ ዘረባኹም
ማርቲኒ በል ኢሎም
ጆሜትራ ነይሩ፡ መቒሉ
መቒሉ መቒሉ መቒሉ
መቒሉ ሂብና ከመይ
ዝበልናዮ ተቓጺጽና፡ ሰጥ
ዝበለ ጽርግያ
ተጸሪጉ። ድሓር ሰዓት
ሰለስተ ክኸውን ኰሎ
ደጊም እንሄኻ ዳእሲ፡
ሬሳ መጺኡ እዚ ብዘሎ
ህዝቢ ዓረት ጐይታየ
እንዳበለ መባሩኡን፡
ገራቢንኡን ባዴሉኡን
ሒጁ ጐይታየ እንዳበለ
ንገዝኦም
ኣእቲዩዎም።
ቴለቭጅን እንተዝህሉ
ደጊም ሽዑ ግዜ ኣብ
ቴለቭጅን ምገረሞ
ንሰብ። እቶም
ምሽብባት’ክኣ
ምቐንኡ፡፡ ከምዙ ጌሩ
ህዝቢ ካብ ተፈተወካ
ጽቡቕ ምተባህለ።
ህዝቢ ዝፈተዎ ምስሌነ
ከም ኣዝማች በራኺ
ርኢና ኣይንፈልጥን።
ወየ
ወየ ወየ ኢለ ኣነ
ንጽባሒቱ ቀብሪ
ምስኮነ
ጐይታናየ
ጐይታየ ጐይታየ፡ ጐይታ
በይነይ ኣይኮንኩምነ
ጐይታ
ብዅላቱ ጐይታ ዓረት፡
ጐይታ ብዅላቱ
እንዳቦኹምሲ
እምበር ብናፍቖት
መይቱ
ተኣኪቡ
መጽኡ ዅላቱ
ጽርግያ
ተጸሪጉ ሬሳኹም ዘእቱ
ብወርሓት
ዘይኮነስ ንእለቱ
ኣርኪባትኩም’ዶ
ዓለም ኰንቱ
ሓዊ
ይመስገን ሓውኻ
መብራህቱ
ሓዊ
ፊተውራሪ ንጕሠ
ስሑላት ኣቕርንቱ
ሓዊ
ገብረ ስሑላት
ኣቕርንቱ
ነቒልኩም
ዲኹም ንዓዲ ዅላቱ
ስምዑ
ደቂ ግዜ ሓሊፎም
መሳቱ
ሰለሙን
ዝብሎዎ ቶም ጐይቶቱ
እንታዋይ
ክፈርድ ከምቱ ናቱ
ነቒልኩም’ዶ
ጽሓይ ምኣታቱ
ኣንታ
እዚ ምድሪ ብርሃን
ከሎ እንታይ ኰይኑ
ጸልሚቱ
ኣጅማች
በራኺ ኣይኮነን
መይቶም፡ ፍትሒ መይቱ
ነቒልኩም’ዶ
ንዓዲ ዅላቱ፡ ኢለ
ኣልቂሸ። እቱ ፍትሒ
መይቱ ዝበልክዎም ከለዉ
ጥሪ መንእሰያት
„ዳጕሻ ዓይነባ በራኺ
ጽሓየ
ሽመትካስ
ነቲዑ ማየ“
„ስርናይ
ማና ስርናይ ማና
ኣታ
ወዲ ብሩ ጽሩይ ዳይና„
እንሄ እንዳተባህለ
ሎሬንሶ ታእዛዝ’ክኣ ወደ
ኣሞኦም’ዩ ነይሩ። ሓዊ
ሎሬንሶ’ኽኣ ሓውኻ
መብራህቱ
ዛንታ
ዝገደፈ ንዓሌቱ
ባንዴራ
ዘምለሰ ተማጕቱ
ነቒልካ’ዶ
ንዓዲ ዅላቱ፡ ኢለ
ኣልቂሸ ኣነ ሀይለ
ኣስገደ።
ይቕጽል...
ዓቃቢ፤
ሰለሙን
ይከኣሎ
ግንቦት
2008