ይሰርብ ኣሎ’የ ይሃምም ኣሎ

ደንበ ተቓውሞ ይመጽእ ኣሎ

 

መሓዙት ፖለቲካውያን ውድባት

ኣባላት ዝተፈላለያ ሰልፊታት

ግዱሳት ደቂ-ሃገር ውልቀ-ሰባት

ደንበ ተቓውሞ ኵላ ብምልኣት፡

      ማሕበራት ሲቪካውያን

      ፎርማት ገለልተኛውያን

      ሕብረት ኤርትራውያን

መንእሰያት ዘመናውያን፡

ሓቢርና ንመርሽ ናብ ዓዲ

ከይንዕንቀፍ ንጽረጎ መንገዲ

ዋሕስ ዝኾነና ክትከል’ቲ ዓንዲ

ብሓባር ይሰራሕ ሃገራዊ ዕርዲ፡

      ጸልማት ከልግስ ክዕንገሉ ወለዲ

      ዓድና ኣቲና ክንቅረብ መኣዲ

      ሕልሚ ዝነበረ ክንቅይሮ ጋህዲ

      ደይ’ሱ ደኣ እንታይ ደሊና ግዲ፡

ሓረስታይ ከንግህ ናብ ስበቱ

ሸቃላይ ክወፍር ኣኽቢሩ ሰዓቱ

ነጋዳይ ክመላለስ ከኻዕብት ሃብቱ

ተመሃራይ ክፈላሰፍ ኣብ ትምህርቱ፡

ሓላይ ዘበለ ይዋሳእ በብክእለቱ

ሃብትና ክህንደስ ካብ ሱር-መሰረቱ

ሽግርና ክቕንጠጥ ካብ ሰሪ-መዓቱ

ሰላም ክንረክብ መቐረት ንምሸቱ፡

ወርሓት ጕንቦት ይርኤ ደበና ምእካብ

ይዅመር ይረግእ ብንፋስ ምኽብካብ

ሰርቢ የትክል ምልክት ናይ ዝናብ

ይነጉድ ይሃምም ኣዝመራ ንምሃብ፡

      ሕጂ ድማ ይሃምም ኣሎ እዚ ኪዳን

      ኣሕዋቱ ክኣኻኽብ ካብ ሩባን ኵርባን

      ብቐዳምነት ሓንቲ ጽላል ንምዃን

      ሃገሩን ህዝቡን ከድሕን ምእንታን።

 

ካብ ሲቪካውያን ገላጋሊ ትሪ

ካብ መራሕትና ሓቀኛ ግብሪ

ካብ መድያታትና ዘየሻሙ ናህሪ

ካብ መራሕቲ ሃይማኖታትና ምኽሪ

ኣይኽልኣና ፈጣሪ ልቦና ከነጥሪ!

 

ዘልኣለማዊ ክብሪን

ሓድነታዊ  ዝኽሪን ንስውኣትና!

 

ብክፍልማርያም ካብ ኣሜሪካ

5/10/08