ብስራት፡
እታ ትድለ
መጺአ።
ኪዳን እኮ ትአምር
ሰሪሖም
ካብ ሕሉፍ ጌግኦም
ተናሲሖም
ምኽሪ ህዝቢ ጽን
ኢሎም ሰሚዖም
ብቕንዕና ልቢ ተጋቢኦም
ክዝከር ክነብርዩ ናይ
ሎሚ ሞያኦም
ኤርትራውያን ሃዬ ተዳለው
የማን ጸጋም ኩሉኹም
ሓልው
አፍጠጡሎም ንዘባላሽው
ነቲ ወጻዒኹም ብተሎ
ዕለው
ሃገር ንምጽጋን ተዳለው
ክሓውዩ ፈቐዶ ኮነተይነር
ዘለው
ክምሃሩ ዘኽቲሞም ዘለው
ክምለሱ አብ ስደት
ዘለው
ሃገሮም ንምሕዋይ ክዳለው
ክኸውን ነበረ ታሪኽ
ረገጽትና
አብ ኢድና ክትሰግር
ንፈትዋ ሃገርና
ኩሉ ክኾርዓላ ህያብ
ስውአትና
መሊእና ክንረግጻ ስኽፍታ
ዘይብልና
ክወግሓላ ሃገር ከም
ድልየት ኩልና
ክብርን ዝኽርን ንስውአትና
ዓወት ክአ ነቲ ደም ዝነብዕ
ዘሎ ህዝብና
በላይ መስፍን ጀርመን