ዓይንን ሓመድን ዝኾኑ ተጻረርቲ፡

ዓዳምን ተዓዳምን ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም!!

                                         

 

ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፡ በተን ልሳን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾና መራኸቢታት ዝዋጠ፡ ሓድሽ ቅኒት-ፕሮፓጋንዳ ተዓዚብና፡፡ ቅኒት ናይዚ ፕሮፓጋንዳ፡ ምስ ባህርን ተሞኩሮን ስርዓት ህግደፍ ብሰንጠቕ ዝጻረር ብምዃኑ ድማ፡ “እዛ ዳዋ ጣቛ ኣልዋ” ዝብሉ የዋሃት ኣይተሳእኑን፡፡ ብርግጽ እዚ ዘይተለምደ ሓድሽ ቅኒት-ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ በጃ’ቲ ሕሉቕ ስርዓቱ ግዳይ ንምግባር ዝተጠጀአ መርዛም ውዲት ምዃኑ፡ ክንዲ ቅንጣብ ዘማትእ የብሉን፡፡

 

እዚ መርዛም ውዲት ብላሕመት-መብለጭለጪ ሽም ክጉልበብ ስለዝነበሮ፡ ጉልባብ ናይ’ዚ ውዲት’ዚ፡ “ፌስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ” ዝብል ሽም ኣጠመቕዎ። መንቀሊኡ’ከ እንተተባህሉ፡ ሓሰው ክብሉ ንዝረኸብዎ  ምስረታ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ /ሃማመተኤ/ ዝብል ሽፋን ሂቦሞ፡፡ በዚ ሽፋን መንቀሊ ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ናይ ትማልን ሎምን ንምንጽጻር ዝሃቐነ ሰፋሕቲ ምድላዋት ክግበረሉ ቀኒዩ፡፡ ኣብ’ዚ ምድላዋት’ዚ ብመዓር ዝተጀሉሑ መርዛመት ውዲታት፡ ከካብ ኩርንዑ ተዋዲዶም፡ በድራጋ ንመንእሰያት ኤርትራ ክሃጅሙ “ብሃዳምነት፣ዘይ-ሓላፍነታዊ፣ ጅግንነት ኣያታቱ ዘይወረሰ፣.... ወዘተ” ዝብሉን ካልኦትን ጸያር-ኣስማት እናሓረዩ ክውንጁሉ ተሰሞዖም፡፡ እቲ ዝገርም ናይ’ዚ ዘሕንኽ ፍጻመ ተዋሳእቲ ኩሎም፡ ህልዊ ኩነታት መንእሰይ ኤርትራን ወድዓዊ ሽግራቱን ገና ኣብ ኣፋፌት ልዳቶም ዘይበጸሐ፡ ስቓይ-ኣእውያት መናእሰያትና ከም ሙዚቃ ዘላህዮም፡ መንእሰይ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ባርነታዊ-ሂወት ዘይጸለዎም፡ ካብታ ንሕና እንፈልጣ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ብኣካል ኣብ ሞቑሎ-ገሃነባ ዝቕለወላ ዘሎ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ዙርያ ኢሳያሳዊት ቤተ-መንግስቲ ዝነብሩ ሌፎታት ምዃኖም’ዩ፡፡

 

ብግርጽ፡ መንነት ናይ’ዞም ኣብ’ዚ ኢሳያሳዊ ድራማ’ዚ ዝዋስኡ ዘለዉ ባእታታት ንምፍላጥ፡ ፍሉይ ብልሓትን ሚስጢርን ዝሓትት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ መንቀሊ ናይ’ዚ ድራማ’ዚ /ፌስቲቫል/ ንገዛእ-ርእሱ፡ ምስሊ ናይቲ ሓባል ስርዓት ንምቕንጃው ተባሂሉ ዝተማሕዘ’ዩ፡፡ ኣብ’ዚ ህግደፋዊ ድርሰት ዝዋስኡ ድማ፡ እቶም ደቒ-ማርያም ኪሊዓው ግዳያት ዝኾኑ መናእሰያት ኤርትራ ዘይኮኑስ፡ ንጥብቕና ኢሳያስ ማዕተብ-ሓቒ ዝበተኹ፡ ብሞራልን ሕልናን ዝነደዩ ጃንዳታቱ’ዮም፡፡ እዞም ኢሳያሳዊ ልሳን ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ኣምሱሉታት ዝሓዝዎ ስንቂ፡ ሎቆታ ጻልጣ ሓሶት’ዩ፡፡ ስለ’ዚ ድማ’ዩ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ውልቐ-መላኺኡን ብምቕንጃው፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ክውንጅሉ በድራጋ የእዳዎም የወጣውጡ ኣለዉ፡፡ እዚ ሓቂ’ዚ፡ ነቲ ብሽም “ፌስቲቫል መናእሰያት ኤርትራ” ዝተጠጅአ ውዲት፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ዘይውክል፡ ንጠንቒ ሽግራቱ ዳህሲሱ ኣንፈት ኣፈታትሑኡ ዘየናዲ ምስሉይ ተዋስኦ ምዃኑ፡ ዘረድእ’ዩ፡፡

 

 

 

 

ብኣልኣይ፡ መንቀሊ’ዚ ፌስቲፋል ምስ “ሃማመተኤ” ዝተኣሳሰር ታሪኽ ዘለዎ’ዩ፡፡ ሃማመተኤ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ጸግዒ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን ታሪኻዊ ገበን ዝፈጸመ ምስሌነ እቲ ስርዓት’ዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ማሕበርን ኣበርክቶታቱን ኣመልኪቱ ዝካየድ ፌስቲቫላትን ዓውደ-ዘተታትን፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ተዓሪፋ ረብሓታቱ ኣየረጋግጸሉን’ዩ፡፡ ምኽንያቱ እዚ ማሕበር’ዚ ብዊንታ ኢሳያስ ዝተጣየሸ፣ ብዕትብቲ ኢሳያስ ዝዕንገል፣ ንኽብሪ ኢሳያስ ገንሸል ዝኾነ ማሕበር’ዩ፡፡ እዚ ንኢሳያስ ከም ፈጣሪኡ ዝርኢ ማሕበር’ዚ፡ ንፈጣሪኡ ተጻሪሩ ኣብ ጎኒ ብፖሊሲ ኢሳያስ ዝተማረሩ፣ ግዳያት ዝኾኑ፣ ንጹሃት መንእሰያት ኤርትራ ክስለፍ፡ ድምጾምን ወጽዓታቶምን ክጸባጸብ ማለት ከንቱ ትጽቢት’ዩ፡፡ ሃማመተኤ ብልክዕ ንመንእሰያት ኤርትራ ወኪሉ፡ ድሌታቶም ዘንጸባርቕ ማሕበር ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ከም ማሕበር ኣብታ ረፍዲ እቲኣ፡ ነብሰ-ቅትለት ፈጺሙ ማለት’ዩ፡፡ ስለዚ ረብሓታት ሃማመተኤን ረብሓ መንእሰያት ኤርትራን፡ ብሰንጣቕ ዝጻረሩ ረብሓታት’ዮም፡፡ ብምኽንያት’ዚ ማሕበር ዝግበር ፌስቲቫል ድማ፡ ብዋጋ ብርሰት መንእሰያት ኤርትራ፡ ረብሓ ሃማመተኤን ንሱ ንዘምልኾ ፈጣሪኡን ሸውሃት ንምምላእ ዝተዳለወ ውራይ ጥራይ’ዩ ዝኸውን፡፡ እዚ’ውን ውዲት ናይ’ዚ ፌስቲቫል ዝገልጽ ሓደ መልኽዕ ናይ’ቲ ድጉል ጥፍኣት ስርዓት ህግደፍ’ዩ፡፡

 

ብሳልሳይ ደረጃ፡ እዚ ፌስቲቫል’ዚ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ይካየድ ምህላዉ ምርዳእ’ውን ኣኻሊ’ዩ ዝመስለና፡፡ ምኽንያቱ መዓስከር ሳዋ፡ ንኤርትራዊ መንእሰይ ንምጽናት ዝተሓጸየት ምድረ-ሲኦል’ያ፡፡ እዛ መዓስከር’ዚኣ፡ ንጎራዙን በጽሕታትን ኤርትራ ዘሕቐቀት፣ ንናይ መርዓን ደርዓን ትጽቢታት ወለዲ ዝኾለፈት፣ ዕቤት ሃገር ዘምከነት፣ ንውልቐ-ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቒ ንምንዋሕ ዝተሓዝአት ቦታ’ያ፡፡ ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ዝግበር፡ ፌስቲቫል ድማ፡ ነቲ ጸሊም ታሪኻት ምዕራፋታ ዘራጉድ፡ ንካልእ ስቓይን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ውዲት ክትጥጃእ ዕድል ምሃብ’ዩ፡፡

 

ስለዚ በዞም ሰለስተ ምኽንያታት፡ እዚ ፌስቲቫል’ዚ፡ ብዋጋ መንእሰያት ኤርትራ ዝተዋደደ ናይ ጥፍኣት ውዲት’ዩ፡፡ ናብ ከም’ዚ መደምደምታ ዘብጽሓና ውህሉል ተሞኩሮታትና ብቐንዱ ኮይኑ፡ ነዚ ዘራጉድ ካብ’ዚ ናይ ለ-ቅነ ቅኒት ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ሓደ ኣብነት ክንረቑሕ፡፡ ንሕና ካብ ዝተዓዘብናዮን ናይ’ዚ ኢሳያሳዊ ዕዮ-ገዛ ፊታ-ውራሪ ዝኾነት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ክሊ’ዚ ናይ ጥፍኣት ወፍሪ ዝበለቶ ሓደ ኣብነት፡፡ እስኪ ንከታተሎ፡-

 

 

“..........መንእሰይ ኤርትራ፡ ወራስ ሕድሪ ፣ውፉይ፣ ዋሕስ ሓርነትን ልዑላውነትን ክኸውን ይግብእ.........”  ምስሌነ ውልቐ-መላኺ “ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ”      

                                    ዝጨረሐቶ ጭርሖ

 

 

 

 

 

 

ብርግጽ፡ እዚ ጭርሖ’ዚ ብገርሁ ንዝረኣዮ ኣበር ዘለዎ ኣይመስልን፡፡ ግን ድማ ጉልባቡ ቀሊዕኻ ኣምዑት ናይቲ ጭርሖ ምስትርኢ፡ ብመዓር ዝተባዕጠ መርዛም ውዲት ኮይኑ ትረኽቦ፡፡ እስኪ ብውነ ንምስትብሃሉ ክንደግመልኩም፡-

 

“........መንእሰይ ኤርትራ፡ ወራስ ሕድሪ ፣ውፉይ፣ ዋሕስ ሓርነትን ልዑላውነትን ክኸውን ይግብእ......”  ምስሌነ ውልቐ-መላኺ “ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ”      

                                   ዝጨረሐቶ ጭርሖ

 

 

እወ! “ክኸውን ይግብእ” ካብ “እዩ” ዝተፈለየ’ዩ፡፡ ብቐንዱ እዚ ጭርሖ’ዚ ዝሓዘሎ ድጉል ሚስጢር፡ ናይ ኲናትን ወረ-ኲናትን መግለጺታት’ዩ፡፡ ኣብ’ዚ ነጥብ’ዚ እቲ መቕድም ዝለዓል፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ካብ ኲናትን ተሞኩሩኡን እንታይ’ዩ ዝወርስ፡፡ እዚ ነቲ ደጋሚኡ’ውን ሃየንታ ኣለዎ፡፡ ብካልኣይ፡ ኣብ ክሊ’ቲ መግለጺታት ኲናት፡ እዚ ጭርሖ’ዚ መንእሰይ ኤርትራ ትሕቲ ትጽቢታት ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ’ዩ፡ ቃል-ብቃሉ፡ ብጥሪኡ ዝገልጽ ዘሎ፡፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ህልዊ ኤርትራዊ ኩነታት ንዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ ትሕቲ ሃገራዊ ብምባል’ዩ ብኢሳያስ ኣፈወርቒ ዝተደርሰ፡ ብድምጺ ሓፋሽ ዝተጨረሐ ጭርሖ ዝኸስስ ዘሎ፡፡ ለባም ኣብ ቅርዓት’ቲ ውልቐ-መላኺ ኢሳያስ እንተዝህሉ፡ “እዚ መንእሰይ’ዚ ትሕቲ ሃገራዊ ዝምባሌታት እንተሊዎ፡ ጠንቒ ናይ’ዚ እንታይ’ዩ?” ኢሉ ክሓትት ምከኣለ ይኸውን፡፡ እቲ ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ግን፡ ኣብ ቀጽሪ ቅርዓትን ማይ-ቤትን ስርዓት ህግደፍ ሓደ’ኳ ለባም ዘይብሎም፡ ኩሎም ካብ ሕድሕድ ዘይበላለጹ ጋዋኑ ምዃኖም’ዩ፡፡ ኣብ መንጎ’ዞም ጋዋኑ ጸብለል ኢሉ ዝወጽእ ቁንጅና የልቦን፡፡ ስለዚ ድማ፡ ነቲ ጠንቒ ጎስዮም ነቲ ግዳይ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ኽኹንኑዎ መሪጾም፡፡

 

ንባእሎም ልሉያት ቆናጁ ክመስሉ፡ ካብ’ቲ ዘይነጽፍ ሰነድ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንዘዝሓረይዎ ምዕራፋት ክዝንጥሉ፡ ላሕመት ታሪኽ ህዝቢ ክጭንጉዑ፡ ተካል መዓልቲ ዊዒሎም፡፡ ነውርታት ናይዞም ገዋኑ ብርግጽ ተዛሪብካሉ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ነቲ ብልሒ ስራዮም ግን ብሻላ ክትሓልፎ ስለዘይከኣል፡ ሓደ ኣብነት ክንጠቕስ፡፡ ኣብ ፈለግ’ዚ ዝኸሓነ ውዲቶም መሪሕ ፊታ-ውራሪ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ’ዚ ቅንያት ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ኣብነት ክንሪኦ መሪጽና፡፡ ብዓይነቱ እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዚ፡ ካብቶም ዝቐደሙ ጃንዳታቱ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝፈልዮ የብሉን፡፡ ፍልልያቶም፡ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ነቲ ዝረኸቦ ዕድል ብድሎ ብዝተዋደደ ኣቀራርባ፡ ንልዕልና ውልቐ ዝናታቱ ክጥቀመሉ ምፍታኑ’ዩ፡፡ ከም ዝዝከር እዚ ዕሉል ውልቐ-ማላኺ’ዚ፡ ምስ ቴቪ-ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ቅድሚ 40 ዓመታት መንእሰይ ኢሳያስ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ብምቅዳም’ዩ፡ እቲ ምስሉይ ድራማታት ተጀሚሩ፡፡ በዚ ደብዳበ’ዚ ኣቢሉ ኢሳያስ፡ ቅድሚ 40 ዓመታት ከምዚ ኔሩ ክብለና፡ ሲዒቡ ድማ ንዝና ኢሳያስ ክኹሕል’ዩ ተሓሲቡ እቲ ምውዳድ ተካይዱ፡፡ “ ነዚ ክትብላዶ ትርሕጻ” ከም ዝባሃል፡ ኢሳያስ ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ መናእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ተነጺሉ፣ ብተግባራቱ ከም ኪንቲት ፎኺሱ ኣብ ዘለዎሉ እዋን፡ ብናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ደብዳበ ተዳናጋጺ ክረክብ ማለት ኣብ ከንቱ ምግዓር’ዩ፡፡ ኣብ ሕማቕ ዋዓል ዝበሎ ጋዜጠኛ ግን፡ ብመንፈስን ሕልናን ዝነደየ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ ንድሌታት ህዝቢ ዝጎሰየ፣ ንክውነነት ካብ መነጽር-ዓይኒ ህግደፍ ወጽኢ ዘየንብብ፣ ዕሱብ ብምዃኑ፡ ከም’ዚ ክብል ከንቱ ናይ ውዳሴ መዛሙር ዘሚሩ፡-

 

 

“.........እዚ ከም መእተዊ ዘንበብኩዎ ጽሑፍ፡ መንእሰይ ኢሳያስ ወዲ 20 ዓመት ንምዃን፡ ወዲ 20 ዓመትን 11 ወርሕን እንከሎ ብ15 ጥሪ 1967 ብኢዱ ካብ ዝጸሓፎ ከም ዘለዎ ዝወሰድኩዎ ጹሑፍ’ዩ፡፡ እወ ኣብ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ኣብ ዘሎ መናድቕ ልቢ ዝሰረተ ዓቕሊ፣ እምነት፣ ንጸበባ ናይ ምስዓር ንያት፣ ንራህዋ ብህድኣት ናይ ምምዛን ዕድሎት፣ ብገዛእ ዓቕሚ ሕቆኻ ቀጥ-ኢልካ ጠጠው ናይ ምባል ሓቦ ዝተማዕዱ ፍረ-ውልዶ ልቢ...”    ከንቱ ውዳሴ ጋዜጠኛ

                                                     ቲቪ ኤረ

 

ዓጀብ’ዩ! እዚ ቁንቑኛ እንታይ ንምባል’ዩ ተደሊ’ዩ? ኢሳያስ ኣፈወርቒ ሎሚ’ውን ብቑዕ መራሒ’ዩ ክብሉና ዲዮም ደሊዮም? ብቅድሚ 40 ዓመት ብዝነበረ ብዕራይ፡  ሎሚ’ዶ ይሕረስ’ዩ? ኢሳያስ ኣፈወርቒ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ነጻነት፡ ታሪኽ ባዕዳውያን-ገዝእቲ ሓይልታት ክደግም’ምበር፡ ሓድሽ ዝሰርሖ ታሪኽ’ዶ ኣሎ’ዩ? ኢሳያስን ስርዓት ህግደፍን ኣብ ቅድሚ ገድሊ ሓድሽ ታሪኽ መኻናት ምዃኖም፡ ነዞም ወይጦታት፡  እዞም ዝሓለፉ 17 ዓመታት ኣይመሃሩዎምን ዲዮም ኮይኖም? ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝረኤ ዘሎ ተርእዮታት፡ ደግሲ ናይ’ቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ታሪኽ ምዃኑ፡ እዞም ሰባት ክኽህዱና ዶዮም ደሊዮም? ብርግጽ ንሳቶም ነዚ ክውንነት’ዚ እንተኺሒዶሞ፡ ታሪኽ መዛግቦም ግን ዘይሰግሮ ሓቒ ሰኒዱ’ሎ፡፡

 

ኣብ ኩሉ ጫፋት፡ ኣብ ምድሪ-ቤትና፣ ኤርትራ ልዕሊ’ዚ ከንቱ ውዳሴ ውልቐ-መላኺ ንኽውነታት ባዕላ እትገልጸሉ ናይ ገዛእ-ርእሳ ቋንቋ ኣለዋ። እዚ ቋንቋ’ዚ ናይ ለውጢ ሰዓታት ኣኺሉ ምህላዉ ዝደሀ ደወል-ለውጢ’ዩ፡፡ ነዚ ደወል’ዚ ዝሰምዑዎ፡ ኣብ መስርኡ ዝስለፉ ዘለዉ ድማ ኣእላፍ’ዮም፡፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ ንኽውንነት ኤርትራ ዝገልጽ ጭብጢ ከኣ የልቦን፡፡ ሎሚ፡ ኣብ ፎቆዶ ዱፋዓት፣ መዓስከራት፣ ኣብያተ-መእሰርትታት፣ ቃፍላያት ስደት፣ ኣብ ድርኩኺት እዝን ዓይንን ማሕበረሰብ-ዓለም.........ንብዓት ህዝቢ ኤርትራን ኣእውያት መናእሰያትናን ልዕሊ’ዚ ከንቱ ውዳሴ ንሳማይ ዓሪጉ ምህላዉ፡ ባይታ ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቒ’ዩ፡፡ ስለዚ ድማ “በትሪ ሓቕስ...ብርእሳ እንተቀበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ኢልና ናብ ካልእ ነጥቢ ክንሰግር ይሓይሽ፡፡      

 

ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቒ፡ ኣብ’ዚ ቃለ-መሕትቱ፡ ነቲ ባዕሉ ዘዋደዶ ከምስል ኣብ ውልቓዊ ጉዳይ ርኢቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ከም ዘይኾነ ብምግላጽ’ዩ መሲስዎ፡፡ ግን ድማ ኢሳያስ ማለት ኣብ ሓንቲ ርእሲ ከም ተመን ክልተ-መልሓስ ዘለዎ መንደላይ ብምዃኑ፡ ሻቡ ንመልሓሱ ሓይኹ፡ ነቲ ዝተወጠነት ውልቐ ዝንኡ ንምኹሕሓል ነታ ኣጋጣሚ ተጠቒሙላ፡፡ እዚ ቃለ-መሕትት’ዚ ከምቲ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ዓዘፍዘፍ ዝበዝሖ፡ ኣልቦ-ቁምነገር’ዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓዘፍዘፍ ግን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ብሓሶት ዓብዒጡ፡ ንሓንቲ ሓረግ ሓቒ በጨቕ ኣቢሉ፡፡ ብርግጽ እዛ ሓቕ’ዚኣ ንረብሓ ውልቐ ዝንኡ ንምውዓል፡ ንቁንጹል ዓቕምታቱ ንምጉላሕ ኢሉ ዝተጠቐመላ፡ ኣብ መንጎ ኩምራ ሓሶት፡ ኣንደልሒጽዎ ዝተዛረባ ሓቂ’ያ፡፡ እስኪ ነዛ ኣብ መንጎ ኩምራ ሓሶት ዘንደልሓጸቶ ሓቒ ንስማዓያ፡፡

 

 

 

 

“....... እዛ ዘንበብካያ ጽሕፍቲ ብዙሕ ነገር’ያ ተዘካኽረኒ፡፡......ንዓኣ ክጽሕፍ እንታየ ሪኤ፣ ኣእምሮይ ኣብቲ ግዜ እንታዩ ኣንቢቡ፣ እንታየ ክብል ደሊየ፣ እንታይከ ይመስል ኔሩ እቲ ኩነታት፣ ..... ሰስባት ነናቶም ባህሪ ክህልክወም ይክእል’ዩ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝኣመንካሉ ክብሪ፡ ትቅይሮ ዲኻ? ኣነ ሕጂ ግዜ ናቱ ጽልዋ ኣለዎ፡ ግዜ ብዙሕ ነገራት ይቐያይር’ዩ፡ ክብርታት ግን ክቀያየሩ ኣይክእሉን’ዮም፡፡ ኣነ ሕጂ ኣብቲ ጹሑፍ ጥራይ ዘይኮነን፡ ሽዑ ዝኣመንኩሉን ሕጂ ዝኣምነሉን ፍልልይ ኣሎዲ’ዩ? እንተኢለስ፡ ፍልልዩ ኣየረኣየንን’ዩ፡፡ ሕጂ ኣነ ሽዑ ስለምንታይ ከምኡ ተጻሒፉ? ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብኡ ዝጸሓፍኩዎም ሓሳባት እንተሊዮም ኮይኖም ወይ ክብርታት ዝብሎም፡ ንሙሉእ-መዋእለይ ዝኣመንኩሎም’ዮም ማለት’ዩ፡፡ ኣይቀየርኩን፡፡ ምናልባት፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ክብርታት ምስ ግዜ ተሞኩሮ እናደለብካ ምስ ከድካ፡ ከተራቕቆ...ከተኾልዖ...ተሓይሎ መሊስካ ምስ ተሞኩሮ፡፡ ንኡዑ ነቲ ጽሑፍ ክሪኦ እንከለኹ ግን ናይ ክብርታት ጉዳይ ኮይኑ ይርአየኒ ኣነ፡፡ ብንእስነትካ እንድሕሪ ፍትሒ፣ ራህዋ፣ ማዕርነት፣ ነጻነት ኢልካ ትኣምን እንድሕር ኮንካ፡ እዞም ክብርታት እዚኣቶም ይቕየሩ ድዮም? ኣነ ይቅየሩ’ዮም ኣይብልንየ፡፡ ................ ስለዚ ንሱ ስለ ዝነበረ ናይቲ ሃገር፣ ናይቲ ህዝቢ ናይቲ መንእሰይ እምነት፡ ናተይ ናይ ገዛእ-ርእሰይ ጥራይ’ዩ እውን ኣይብልን’የ፡፡ ምኽንያቱ ከምኡ ጹሒፈ እንተኔረ ኣነ፡ መሳቶይ ምሳይ ዝነበሩ ሽዑ ንሻረኸሉ ክብርታት’ዩ........”     

                                   ውልቐ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ነብሱ 

                                           ንምቕንጃው ዝተጠቐመሉ ሜላ

                                                             

 

ኢሳያስ ኣፈውርቒ፡ ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሮ ንቕሓትን ርሑቕ ጠመትኡን ዘኪሩ፡ ኣነ ከም’ዚየ ኔረ፡ ክብለና ፈቲኑ፡፡ እዚ ንውልቐ ክብሩ ክገልጸሉ ዝመረጾ ኣገባብ’ዩ፡፡ ድሒሩ ግን ሓቂ ኣንደሊሒጽዎ፡ እዚ ንቕሓት’ዚ ኣብ ክሊ’ቲ ንሱ ዝነበሮ ወለዶ ዝነበሩ መናእሰያት ኤርትራን መዘናታቱን’ውን ከም ዝነበረ ገሊጹ፡፡ ኣስዒቡ ድማ ምንጪ ናይ’ዚ ንቕሓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣተንቢሁ፡፡ እቲ ሓቂ’ምበኣር እዚ’ዩ፡፡ እስኪ ብልሳን’ዚ ውልቐ መላኺ ነቲ ሓቂ ንድገሞ፡፡

 

“............ብንእስነትካ እንድሕሪ ፍትሒ፣ ራህዋ፣ ማዕርነት፣ ነጻነት ኢልካ ትኣምን እንድሕር ኮንካ፡ እዞም ክብርታት እዚኣቶም ይቕየሩ ድዮም? ኣነ ይቅየሩ’ዮም ኣይብልንየ፡፡ ................ ስለዚ ንሱ ስለ ዝነበረ ናይቲ ሃገር፣ ናይቲ ህዝቢ ናይቲ መንእሰይ እምነት፡ ናተይ ናይ ገዛእ-ርእሰይ ጥራይ’ዩ እውን ኣይብልን’የ፡፡ ምኽንያቱ ከምኡ ጹሒፈ እንተኔረ ኣነ፡ መሳቶይ ምሳይ ዝነበሩ ሽዑ ንሻረኸሉ ክብርታት’ዩ........”  

                                       ውልቐ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ነብሱ 

                                           ንምቕንጃው ዝተጠቐመሉ ሜላ

 

 

 

 

እዚ ውልቐ-መላኺ ነብሱ ከቐናጁ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝወረሶ ንቕሓት፡ ምንጩ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ምባሉ ሓዙልና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ምንጪ ንቕሓት ኣብ’ቲ ህሞት’ቲ ንዝነበሩ መናእሰያት ካብ ኮነ፡ ኣብ’ዚ ህሞት’ዚ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንባራ ድማ ርእሰ-ጉሉጽ ሓቒ’ዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሃብታም ክብረታቱ ካብ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ዓርዑትትን ሸርሕታቶምን ዓቒቡ፡ ንመንእሰያት ከውርስ በቒዑ’ዩ፡፡ እዚ ቀዳሞት መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ህዝቢ ዝወረስዎ ክብርታት ድማ፡ ሃገራዊ ጾር ዝስከሙ፡ ውፉያት፡ ሓርበኛታት መንእሰያት ክኹስኩስ ኪኢሉ’ዩ፡፡ በዚ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገርሐ መንእሰይ፡ ሃገራዊ ነጻነት ካብ ባዕዳውያን ሓይልታት መንዚዑ፡ ሐድሽ ኤርትራዊ ምዕራፍ ክጋሃድ ጌሩ’ዩ፡፡ ኣብ’ዚ ኣፈላላይ የብልናን፡፡

 

ድሕሪ’ዚ ኣብ ዝመጸ መድረኽ ግን፡ ኣብ ኣተረጓጉማ ወድዓዊ ንባብ ኤርትራን ሽግራቶምን፡ ንሕናን ኢሳያስ ኣፈወርቕን መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎና፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ ትሕቲ ተኸታታሊ መግዛእትታት፡ ህዝቢ ኤርትራ መንነቱን ክብርታቱን ዓቒቡ፡  ሓላፍነታዊ መንእሰይ ክኹስኩስ ምጽንሑ ብልሳን ኢሳያስ ዝተገልጸ ሓቂ’ዩ፡፡ እዚ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ውዲታት ገዛእቲ ኣረብሪቡ ዝመከተ፡ ሎሚ ድሕሪ ነጻነት እዚ ክብርታት ብመን ተባሕጎጉ? ናይ ሎሚ መንእሰያት “ብሃዳምነት” ዝውንጀሉሉ ምኽንያት እዚ ክብርታት ብምብራዙ ዲ’ዩ? ተሓታቲኡከ መን’ዩ? ኢሳያስ ኣፈወርቕን ስርዓት ህግደፍን ብሓይሊ ብረት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝተወጡሑላ መዓልቲ፡ እቲ ክብረታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባህርያዊ ቦትኡ ኔሩ’ዩ፡፡ ነዚ ድማ ንውልቐ ምቕንጃው ክብል ኢሳያስ ባዕሉ ብልሳኑ ገሊጽዎ’ዩ፡፡ እቶም ቅድሚ 40 ዓመታት መንእሰይ ኢሳያስን መዘናታቱን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረሱዎም ክብርታት፡ ሎሚ ኣብ ባህርያዊ ቦትኦም እንተዘየለዉ፡ ተሓታቲኡ፡ ናይ ሎሚ ውልቐ መላኺ ኢሳያሳ ኣፈወርቕን ስርዓቱን ጥራይ’ዮም፡፡

 

ከም እምነትና፡ ቃፍላይ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ካብ ኩውንነት ኤርትራ ዝብገስን፡ መግለጺ ተቓውሞታት እቲ ስርዓት ምዃኑ ብጽንዓት ንኣምነሉ ጉዳይ’ዩ፡፡ ኮይኑ ግን ንኣገላልጻ ኢሳያስ ብዝርጉፉ እንተወሲድናዮ፡ ሕጂ’ውን ካብ ተሓታትነት ዘድሕኖ ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ፡ ብኣገላልጻ ኢሳያስ “ምብራስ ክብርታት” ብምባል ንዝገልጾ ሓደጋ ዝተጋህደ፡ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሕቑፊ ስድራቤታቶም መንዚዑ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ካምፖታት ጅሆ ምስ ዘርዖም፡ ዝሳዕረረ ጠባያት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝክእል። ምኽንያቱ መንእሰይ ኤርትራ፡ ሎሚ ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ስድራቤታቱ ዝዓብየሉ ኣጋጣሚ ንላዕሊ፡ ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ ጅሆ ዝኾነሉ እዋን ይበዝሕ፡፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መንእሰያት ዝራኣዩ ሕጽረታት ምናልባት እንተሃሊዮም፡ ካብ’ቲ ስርዓት ዝወረስዎም ጠባያትን ባህርን ጥራሕ’ዮም ክኾኑ ዝክእሉ፡፡ ከምቲ “ምስ ኣድጊ ዝወዓለስ እንታይ ተዘይለመደ...... ክስታይ ለመደ” ከም ዝበሃል ምስላ ስለዝኾነ፡፡

 

 

 

 

 

ከም እምነት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ግን፡ ጥሙሓት መንእሰያት ኤርትራ ካብ’ቲ ስርዓት ንላዕሊ ብምድያቡ፡ መንእሰያት ለውጢ ይጠልቡ ምህላዎም ኣዐርዩ ይግንዘብ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ናይ መንእሰያት ናይ ለውጢ ድሌት ክምልሽ ብዘይምብቕዑ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ተነጺሉሎ፡ ዝብል ዕግበት ድማ ኣሎና፡፡ ስለዚ መንእሰይ ኤርትራ ምስ’ዚ ኣብ ኣፋፌት-ልዳት ቀብሩ ኮይኑ፡ ብጻዕረ-ሞት ዝሰሓግ ዘሎ ስርዓት፡ ረብሓ የብሉን፡፡ ጉዕዞኦም ድማ በበይኑ’ዩ፡፡ መንእሰይ ኤርትራ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ መጠን፡ ምስ ዝመውት ስርዓት ከማውቶ ግድን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ህልው ስርዓት ንከይዓትሮ ዝተነፍጎ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክዓትር’ዩ ምርጭኡ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ዕምሪ-ስልጣኑ ጸንቒቑ፡ ናብ ውድቐት’ዩ ዘምርሕ ዘሎ፡፡ ስለ’ዚ እምበኣር፡ ኣብ ውራይ ፌስቲቫል ህግደፍ ክልተ ዓይንን ሓመድን ዝኾኑ ተጻረርቲ ባእታታት ዓዳምን ተዓዳምን፣ ጋሻን ኣቦ-ጓይላ ክኾኑ፡ ኣይክእሉን’ዮም።

 

ብሓልዮት ቤት ጽሕፈት ዜና ኤዲኪ

ክፍሊ ሬድዮ መደብ ቋንቋ ትግርኛ

ድምጺ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳ