ዜና

 

መንግስቲ ህግደፍ ትራክተራት ኣብ ሓረስቶት ከም ዘየካሪ ተገሊጹ፥

 

ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ሓላፊ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ፣ መንግስቲ ትራክተራት ኣብ  መንግስታዊ ሕርሻታት ጥራይ ከስረሐን ሰለዝኾነ ኣብ ገባር ሓረስቶት ትራክተራት ምክራይ ተኸልክሉ’ዩ ክብል ንህዝቢ ከም ዝሓበረ ካብ’ቲ ከባቢ ምንጪ ግሃድኤ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊጹ። ኣብ ርእስኡ ዘዋጸኣኹም ግበሩ ኢሉ ኣኼባኡ ብምድምዳም እቲ ህዝቢ ከም ዝሓርበቶን፣ ብስንኪ ምንሃር ዋጋታት ነዳዲ ፣ እቲ ዓሚ 400 ናቕፋ ዝነበረ ዋጋ ክራይ ትራክተር ኣብ ሰዓት ሎሚ ዘበን 700 ናቕፋ በጺሑ ምህላዉን እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ሓብሩ።

 

ብኻልእ ዜና፣ ሓላፊ ጉምሩክ ተሰነይ ኣብ ከተማ ተሰነይ ንወነንቲ መካይን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ኩሉል ዝኾነ ሃለኽቲ ብኮንትሮባንዳ ክጽዕና እንከሎዋ ተረኽበን ዝተሃገራ መካይን 174 መካይ  በጽሐን ኣሎዋ ክብል ከም ዝሓበሮም፣ ካብ’ቲ ከባቢ’ቲ ምንጪ ግሃዴኤ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣብርሁ።  እተን ዝተሃገራ መካይን ኣብ ዞባታት ደቡብን፣ ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ጋራጃት መንግስቲ ክዊዘዓ ምዃነን እቲ ሓላፊ  ከም ዝገለጸ ሓብሩ።

 

ከምእ’ውን ካብ’ቶም መንግስቲ ምስሪ ናብ ኤርትራ ዚመለሶም 747 መንእሰያት ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ህግደፍ ነቶም ኣባላት ወተሃደራዊ ኣስገዳድ ኣገልግሎት ዝኾኑ ናይ 6 ኣዋርሕ ዕሪፍቲ ወሲዶም ምስ ወደኡ ናብ’ተን ዚነበሩወን ኣሃዱታት ኪምለሱን፣ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘይኣተዉ ድማ ድሕሪ ናይ 6 ኣዋሪሕ ዕሪፍቲ ናብ መዓስከራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ነፍሶም ከረኪቡ ከም ዝግባኦምን ብምሓባር፣ 500 ናቕፋ ሂቡዎም ንዕሪፍቲ 6 ኣዋሪሕ ካብ ዝሰደዶም፣ ሕደት ዘይኮነ ቁጽሪ ድግማይ ናብ ሱዳን ከም ዝተምልሱ ምንጪ ዓዶሊ ገሊጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

15 ሓምለ 2008