ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ          حزب النهضة الإريتري                      

 

                

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን                                                       مكتب الإعلام

“ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ

ምስ ኣባላት ጨንር ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ”

 

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኣቶ ኑር እድሪስ ብስምበት ዕለት 15/06/2008 ምስ ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ወድዓዊ ኩነታት ጉዳይ ኤርትራ ናይቲ ብዓወት ዝተዛዘመ ጉባኤ ሓድነት ኪዳን ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ መሪሕነ ዘውጸኦ ውሳኔታት ነይሩ። 

 

ኣብ መፈለምታ መግለጺኡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ዝተረኽበ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ምስሕሓብ ሰልፊ ናህዳ ብዝወሰደቶ መርገጽ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ  መሰረታት ሰልፊ ናህዳን ደገቶምን ተሓባባርነቶም ከምዘተግበሩ ኣረጋጊጹ።      

 

ብወገን ኩለን ተቓወምቲ ሓይልታት ዝተራእየ ሓቀኛ ተበግሶን ጹቡቕ ተቐራብነትን ተሳታፍነትን ከምኡ'ውን ብስርዒት ሲቪላውያን ማሕበራት ተቆጻጸርትን ኣብ መዳይ ጥርናፌ ዝተጻወተኦ ዓቢ ግደ ንህሉዉን ንሓዋሩን ዱልዱል መሰረት ብምምስራት ንጉባኤ ሓድነት ኪዳን ብምትግባር ከዓውተኦ ኪኢለን ክብል ገሊጹ። 

 

ዘለናዮ ጊዜ ሓቀኛ ናይ ስራሕ እዋን ኮይኑ ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምትግባር ናይ ኪዳንን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ዕላማ ካብ ኮነ ኩነታት ናይዚ ኣርእስቲ'ዚ ካብቲ ዝሓለፈ እዋናት ብዝበለጸ በሲሉ ይርከብ ክብል ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ሓቢሩ

 

ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሎም መራሕቲ ኪዳን መደባትን ህንጻጻትን ንምፍጻምን ንምትግባርን ናይ በብደረጀኦም ዘለ መራሕትን ፖለቲካዊ ስርዒትን ከምኡ'ውን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ህዝባውያን ማሕበራት ስርዒታትን ሓላፍነት'ዩ ድሕሪ ምባ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ መሰረታት ሓይሎም ብምጥርናፍ ንናይ ሃገራዊ ስራሓት መንኮርኩር ንምድንፋዕ ብጨናፍር ኪዳን ኮይኖም ንዋስኡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።  

 

ኣስዒቡ ኣቶ ኑር ኢድሪስ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንኽካየድ ተወሲኑ ሎ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ዝሓለፈ መደባትን ውሳኔታትን ስርዒታዊ ስራሕቲ ሰልፊን ብኹሉ ደረጃታ ንምፍጻምን ንምምዕባልን ኣገዳሲ ኮይኑስ ቡርቱዕ ምቕራብ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

 

ብወገኖም'ውን መሰረት ሰልፊ ናህዳ ነቲ መሪሕነት ሰልፊ ዓቢ ሃገራዊ ግደ ዝወት ዘሎ ብሓፈሽኡ ድሕሪ ምድጋፎም ንተግዑዛውን ቀጻልን ናይ ኪዳን ዕላማ ንኸተግብሩ ቁሩባት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ሰልፋዊ ርዒታት መደባትን ውሳኔታትን ንምድንፋዕ ከምኡ'ውን ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ውድባዊ ጉባኤ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ንኽካይድዎ ተመጻቢዖ 

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንናይ ናጽነትን ሓርነትን ስዉኣትና

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ሰላምን ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ