
ዜና
ባይቶ
ጸጥታ፣ ዋና ጸሓፊ
ሕቡራት ሃገራት
ኣጻራይት ሽማግለ
ንክልእኽ ጠልቡ፣
ኣህጉራዊ
ባይቶ ጸጥታ 26 ሰነ 2008
ብዛዕባ ግጭት
ኤርትሮ-ጂቡቲ ዝምልከት
ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣
ኤርትራ ሓይልታታ
ክትሲሕብ ጠሊቡ።
ከምኡ’ውን ባን ኪ ሞን
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት
ሃገራት ናብቲ ናይ
ግጭት ቦታ ኣጸራይት
ሽማግለ ንክልእኽ
ጠልቡ።
ድለይታ
መሓመድ ድለይታ ቀዳማይ
ሚኒተር ጂቡቲ ኣብ
ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ
ኣብ ዘቕረቦ መደረ፣
ኤርትራ ኣቐዲማ ኣብ
መሬት ጂቡቲ ኣቲያ
ድፋዓት ኮዒታን፣
ቐጺላ ድማ ኣብ ልዕሊ
ሓይልታት ጂቡቲ ቶኽሲ
ክፊታን፣ ሓይልታታ
ካብ መሬት ጂቡቲ
ንምውጻእ 12 ሰነ 2008
ባይቶ ጸጥታ ብዝወሰኖ
ውሳኔ ኣይተማኣዘዘትን
ክብል ጠቒሱ። ናይ
ኤርትራ ጻዕሪ
ንመጻቢቦ ባብ
ኣል-መንደብ
ንምቁጽጻር
ስለዝኾነ፣ እዚ ናይ
ሕጂ ግጭት ካብ’ቲ
ዝቐደሙ ጎንጽታት
ኣዐሪዩ ዝተፈልየን ኣዝዩ
ዝሓደገኛን ምዃኑ
ብምግላጽ፣ ነዚ ኣብ
ሞንጎ ክልትኡ ሃገራት
ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ
ግጭት’ዚ ብሰላማዊ
ኣገባብ ንምፍታሕ
ጂቡቲ ጽኑዕ ድልየት
ከም ዘሎዋን ኣጸራይት
ሽማግለ ምልኣኽ ከም
አድግፍን ገሊጹ።
ቤት
ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግሃድኤ
27 ሰነ 2008