ክዝክር
ክብገስ
ነ’ቦይ ዘውደ መጐስ
ግንቦት
05-2006ብ ረ.ክ. (ባሻይ)
ኣታዶ
ክብለካ ጥቓኻ ቀሪበ
ቃልሲ
ምስ ጀመረ ዘይረብረበ
መሰታ
መንእሰይ ናይ ዘርከበ
ናይ ኩላትና
ዓርኪ-ርእሲ ኔርካ
ካብ ከበሳ
ኪድ ውረድ ንባርካ
ክሳዕ ሳንታ
ሮዛ ኣመሪካ
ብቐደምካ
ብዓል ብረት ያታ
እንተተኰስካ
ኢራብ ኣብ ብልዕታ
እንተወለድካ
ምስ ሪዘርቫ ጋንታ
ኢለካ
እንድየ ኣብ ሱዳን
ከለና
ኣብ ጎረቤት
ሃገር ምስ ሰገርና
ተበዲልና
ሃገር ምስ ገደፍና
ብንግሁኡ
ጽቡቕ ዝረገጸ
ኤሮጳን
ኣፍሪቃን ዘጋየጸ
ምስ
ህዝበይ ይሓይሽ
ዝመረጸ
ኬድካ
’ምብኣር ብጒንበት
ክልተ
ኣይ ንስኻ
እንዲኻ ኣያኺተ
ኣብ ወርሒ
ነጻነት ወድ-ኣይተ
ሕጅስ
ኣቦይ ክብል ኣቦይ
ይሕሽኒ
ኣቱም
ብዓል ሞራል ብዓል
ወኒ
ኣባት
ነብሲ ቃልሲ ትሕረመኒ
ኣደራሽ
በርዓንዲ ኣጽሊልናሉ
ጋንታ ሒዞም
ጋንታ ዝቕበሉ
ኬድኩምዶታ
ምዓልቲ ኣኺሉ
ጠበንጃን
መጽሓፍን ኣብ ገዛኹም
ዒልቦ
ምስ ዘንገዳ ገበላኹም
መን
ክርስዕ ሃልሃልታ ዝናኹም
ሃዘሞ
ትመስክር ናትኩም ቅያ
ጽላሎት
ጠበንጃ ዘይተፈልያ
ተውጽኣኩም
ካብ ኣሽሓት ፈልያ
ኩሉሳዕ
ኣዋዲት ዓለም ታራ
ዋላ
ነቲ በሊሕ ነቲ ኣውራ
መትሓዚ
ዘይብሉ ኢደ እግራ
ተቘጢዕኩም
ዲዅም ኣንጸርጺርኩም
ሓሚቕናኩም
ብሬታ ስኢንኩም
መንእሰይ
ዘንጊዑ ደንጒዩኩም
ግዲ
የለን ድሕሬኹም ኣለና
ነቕናቒ
የብሉን ሰረት ጅገና
ኣይንበክን
ንብዓት ይትረፈና
ኣደይ
ብርጭቆ ጽንዕቲ
ወላዲት
ናይ ሃገርና
ፈራይት ጸጋይት
ርሕርሕቲ
’ደ ሕያወይቲ ርግቢት
ብኽያት
ኣየድልን ነቦይ ዘውደ
ናይ
ቃልሲ ሃልሃልታ
ዘምበድበደ
ቋሕ-ሰም
ዘየበለ ዘይሰምበደ
ድሓን ውዓል
በልኦም ብእልልታ
ሰይቲ ጅገና
ሰይቲ ብዓል ያታ
የእጋር ሰጥ
ይበላ ኢድ ይሃብ
ሰላምታ!!!
Opinions expressed or written
are solely that of their respective authors.
This document is published in
www.Mekaleh-Eritra.Org
on 7 May 2006- All rights reserved © Mekaleh-Eritra.Org - For updates or further information
please write to info-Office@mekaleh-eritra.org