ዜና ድ/ሰ/ደ/ኤ

ዓርቢ 1 ነሓሰ 2008

 

ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ደቅኹም ኣህዲምኩም ብዝብል ምኽንያት ካብ ህዝቢ ገንዘብ ናይ ምምንዛዕ ተግባሩ ይቕጽለሉ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

 

ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ብሰንኪ ዓንዳሪ ወተሃደራዊ ፖሊሲታቱ ካብ ሃገር ናይ ዝተሰደዱ መንእሰያት ወለዲ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከውርደሎም ዝጸንሐ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ይቕጽለሉ ከም ዘሎ ዕጡቓት ኣሃዱታት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ህደግኤ ንእሙናት ምንጭታቶም ብምጥቃስ ኣቃሊዖም። በዚ መሰረት ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈን ከባቢኣን ደቅኹም ናብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ብዝብል ምኽንያት ንብዙሓት ወለዲ ገንዘብ ክኸፍሉ የገድዶም ኣሎ። እዞም 5 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ ዝተበየነሎም ወለዲ ነዚ ክኸፍሉ እንተዘይክኢሎም ትካላቶም ክዕጾ ከም ዝግበር እቲ ዕጡቓት ኣሃዱታት ህደግኤ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ 5 ሽሕ ናቕፋ ምኽፋል ስኢኖም ትካላቶም ክዓጽዉ ካብ ዝተኣዘዙ ዜጋታት፡-

 

ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ዝምቕማጦም

ኣቶ ዕቕበ ጉብሳ

ራህዋ መሓሪ

ኣብረሃጽዮን የውሃንስን

ሓድሽ ዝተባህለ ንግዝይኡ ስም ኣብኡ ዘይተፈልጠ ዜጋን ከም ዝርከብዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ መላእ ሃገር ብዘተኣታተዎ ናብ ስደት ናይ ዝወጹ ዜጋታት ወለዲ ብገንዘብ ናይ ምቕጻዕ ኢ-ሰብኣዊ ፖሊሲ ንብዙሓት ስድራቤታት ኣደዳ ሕሱም ድኽነትን ዓጸቦን ይገብረን ምህላዉ እቶም ምንጭታት ብምረት ገሊጾም።