አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ/ምልክታ …..!
ዝኸበርኩም/ክን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት
ልዑል ልባዊ
ሰላምታና ይብጻሕኩም/ክን።
ከምቲ ልሙድ ደጊም፡
እነሆ ን-ቀዳም
ዕለት 17.05.2008 ዓ.ም፡
ሓው Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡ መምህር አብ ክፍሊ ናይ „Sociology and Social Policy“ አብ „south Bank University. London“፡ አብ
ፓለቶክ (Paltalk)፡ ጋሻ
ናይ “Eritrean room for Strong and United opposition” ኮይኑ
ከምሲ፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ
ኢና። ክፍልና (Room) እትኽፈተሉ
ግዜ፡ ብናይ Berlin አቖጻጽራ፡
ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡
መደረ ጋሻና ዝጅምረሉ
ግዜ ግን ሳዓት 21፡00 ከም ዝኾነ
ክንሕብር ንፈቱ።
ክቡር ሓው Prof. Dr. ጋይም
ክብራአብ፡ ዝተፋላለየ
አርእስቲ ዝሓዛ፡ ንአብነት
ን-ፖለቲካዊ ሽግራትን
ሕልኽላኻትን፤ ን-ግህሰት
ሰብአዊ መሰላት፤ ንናይ
ፖለቲካ ስደተኛታት፤ ማሕበራዊ
ናብራ፤ ወዘተ፡ ዝምልከት
ትሕዝቶ ዘለወን፡ መጽሓፍቲ
ዝጻሓፈን ከም ዝዝርጋሓ
ዝገበረን፤ ነዘን ዝጠቐስናየን
አርእስትታት ብዝምልከት፡
አብቲ ንሱ ዝምህረሉ
“University London” ብዙሕ ሰሚናራት
(Seminar) ዝሃበ፤ አብ ዝተፈላለየ
ቦታን ግዜን ምስ ዝተፋላለዩ
ሰባት ክታዓት ዘካየደ፤
በዘን ዝተጠቐሳ ይኹና
ገና ዘይጠቐስናየን አርእስትታት
እና-አልዓለ ዓሜቕን ሰፊሕን
መጽናዕቲ ዝገበረ፤ ክንኮርዓሉን
ክንሕበነሉን ዝግባአና፡
ኤርትራዊ እዩ። ምንም
እኳ ንግዜኡ፡ Prof. Dr. ጋይም
ክብራአብ፡ አብዛ ምሸት
እዚአ፡ ዕለት 17.05.2008፡ ዝዛረበለን
ነጥብታት፡ እዚኤን እየን፡
ኢልና ሕጂ ክንነግር እንተዘይካአልና፡
ግን መካትዒና ክኾና ይኽእላ
እየን እንብለን፡ ክልተ፡
ነዚ ንሕና ኤርትራውያን፡
ማልት ነዚ ሕጂ አብ ውሽጥን
ስደትን ዘሎ ክውንነት
ህዝብና ብጠቕላላ ዝትንክፋ
ነጥብታት ከምዘለዋ፡ ክንሕብር
ንፈቱ። ሓነቲ ካብዘን
ነጥብታት፡ Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ
አብዚ ቀርባ እዋናት ዝጻሓፋ፤
አብ ዕዳጋ ዝወረደት፤
“Critical Reflection on the Eritrean war of Independence Social Capital,
Associational Life, Religion, Ethnicity and Sowing Seeds of Dictatorship” (ብትግርኛ፣
ተነቓፊ ምንጽብራቓት አብ
ብረታዊ ቃለሲ ንናጽነት
ኤርትራ፡ ማሕበራዊ ርእሰ-ማልነት፣
ማሕበራዊ ህይወት፣ ሃይማኖት፣
ብሄራውነት፣ ዘርኢ ተኽሊ
ምለካዊነት) ዝብል አርእስቲ
ዝሓዘለት መጸሓፍ እያ።
እዛ መጽሓፍ እዚአ አብ
“www.africaworldpressbooks.com ክትረኽብዋ፣
ብውሕዱ መእተዊ ናይዛ
መጽሓፍ ክተንብቡ፡ ትኽእሉ።
እታ ካላአይቲ፡ ንዛተየላ
ንኸውን እንብላ ነጥቢ
ካአ “Deteriorating Human Right Situation in Eritrea Today” (ብትግርኛ፣
ዝኸፍኤ ኩንታት ሰብአዊ
መሰል አብ ኤርትራ ሎሚ)
እያ ትብል። እዚ ኮይኑ
እቲ ግን፡ እተን ቀንዲ፡
አብ መደረ Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡
አብ ዕለት 17.05.2008፡ ዝቐርባ
ነጥብታት፡ እንተ ዶንጎና፡
አብ ዕለት 13.05.2008፡ በተን ጽሑፋትና
ክንዝርጋሓለን እንኽእል
ናይ ዜና ማዕከናተ፡ ክንሕብር
ኢና። ካብኡ ዝተረፈ፡
አሕዋትን አሓትን፡ አብዚ
ምሸት ክትዕ፡ ብዛዕባ
ህዝብናን ሃገርናን፡ ምስ
Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡ ምሳና
ክተምስዩ/ስያ ብኽብሪ
ንዕድም።
ብዳሓን ምጽኡ።
ካብ ኤርትራውያን፡
አባላት ዝተፈላለያ ውድባት፣
በርገሳዊ ማሕበራት፣ ብውልቀ
ተቓወምቲ፡ አብ መራኸቢ
ብዙሓን ፓል-ቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት
ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ
እውን ከም ተቓወምቲ መጠን፡
ብአግባብ አቃላልሳና እንማያየጥን
እንዛትን ደቂ ሃገር።
erfsauo@yahoo.com