ኣገዳሲ
ህዝባዊ መጻዋዕታ!
ስቱትጋርትን
ከባቢኣን/ጀርመን
12. ለካቲት
2008
ንኹሉ ኤርትራዊ
ዜጋ ተቐማጢ
ስቱትጋርትን
ከባቢኣን ፣ ህዝብናን
ሃገርናን ብሰንኪ
ዲክታቶርያዊ ስርዓት
ህግደፍ ዘሕልፎዎ
ዘለዉ፣ ሕሰመን
መከራን ኣብ ዝለዓለ
ጥርዙ በጺሑ ከምዘሎ፣
ሓበረታ ዘይድልዮ
ንኹሉና ብሩህ ነገር’ዩ፣እዚ
እናሃለወ ከሎ እቲ
ሓቂ ግን ሪእና ከም
ዘይራኣና፣ሰሚዕና
ከም ዘይሰማዕና፣
ክንሓልፎ ምፍታን
ንነብስኻ ኣብ ናይ
በለጽ ቦታ
ምስራዕ’ዩ፣ እዚ ድማ
ብመምዘኒ ፍቕሪ
ህዝብን ሃገርን ክረአ
ብጣዕሚ ዘታሓታት’ዩ፣
ሎሚ ብዝናአሰ
ኤርትራዊ ዜጋ ከብለካ
ዘኽእል፣ ካብ ኩሉ
በለጽን ፍርሕን ነጻ
ዄንካ፣ ነቲ ብህግደፍ
ተወዲቡ ንብርሰት
ህዝብን ሃገርን
ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ
ምዕጋትን
ምቅላዕን’ዩ፣ ልዕሊ’ዚ
ከአ ተወዲብካ ኣንጻሩ
ምቅላስን’ዩ፣
ስለዚ ኣብ
ስቱትጋርት ከባቢኣን
እንርከብ ኣባላት
ተቓወምቲ ዉድባትን
ስቪካዊ ማሕበራትን ተባዓት
ዉልቀ ዜጋታትን፣ ነዚ
ኣብ ልዕሊ ህዝብና
ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ
ንምብዳህ ብሐፈሽኡ፣
ንአብ ከባቢና ዝግበር
ድማ ብፍላይ ሓቢርና
ክንቃለሶ፣ ተበግሶ
ጀሚርና ከምዘሎና
ክንሕብር ንፈቱ፣ ነዚ
ሰናይ ግብሪ’ዚ ቅኑዕ
ትርጉም ክሕዝ መታን
ካአ፣ ህዝባዊ ተሳትፎ
ክዓስሎን ህዝቢ ዋንኡ
ኮይኑ ክርከብ
ይግባእን ንብል፣ ነዚ
ቁኑዕ ተበግሶን
ህዝባዊ ዕላማን
ማእከል ዝገበረ፣ኣብ
ከተማ ስቲትጋርት ንሰንበት
ዕለት 24.02.08 ሰዓት 15፡00 ኣብ
Haus der Internationalen Begegnung Landhausstr.62
ልዕሊ ማሕበር
ምትሕግጋዝ ኤርትራ
ዝርከብ፣ ህዝባዊ
አኼባ ክካየድ’ዩ፣ስለዚ
ኩሉ ፍቕሪ ህዝቡን
ሃገሩን ዘቐድም
ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዚ
ኣኼባ’ዚ ክሳተፍ
ብኽብሪ ንዕድም፣
ጊዝያዊት
ሽማገለ
ኣባለት
ተቓወምቲ ዉድባትን
ስቭካዊ
ማሕበርን
ዉልቐሰባትን
ስቱትጋርት
ከባቢኣን/ ጀርመን