አገዳሲ
ህዝባዊ ምልክታ/
ሓቤረታ
ዝኸበርኩምን
ዝኸበርክንን ደቂ
ሃገር፡ ብቀዳምነት
ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።
ቀጺልና
ደጊም፡ ፈንቅል ሃይለ ወልደትንሳኤ
(ድሩዕ) ንቀዳም
ዕለት 16. 02. 2008
አብ „Eritrean room for
strong and united opposition“ ሕዝናልኩም
ክንቀርብ ኢና። እዚ Room አዚ ዝኽፈተሉ
ሳዓት፡ ብናይ
ማእከላይ አውሮፓ
ኣቖጻጽራ ሳዓት 20:00 እኳ
እንተኾነ፡ ፈንቅል
ዝጅምረሉ ግዜ
ግን ሳዓት 21:00 አዩ።
ሓው ፈንቅል፡ ወዱ ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ሓደ ካብቶም አብ ቤት ትምህርት ሰውራ ዝዓበየ፣ ንብረታዊ ቓልሲ ህዝብ ኤርትር ብዕላል ዘይኮነስ፡ ብግብሪ አብ ተመክሮ ዝፈልጦ ዜጋ እዩ። ፈንቅል፤ ከም ሓደ መንእሰይ መጠን፡ ንእስነት ከየታለሎ፡ ሕልንኡን ሞራሉን ሓቲቱ፡ አንጻር አቲ፡ ናጽነት ህዝብና ዓሚጹ፤ ሰብአዊ መሰሉ ጨፍሊቑ፤ ንህዝብና፡ ሕግን ፍትሕን፤ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን፤ ከምዝስእን፡ ብራዕድን ሽበራን፡ አብ ትሕቲ ምልኪ ናቱ ከም ዝንብርከኽ ክገብር፤ ፈተናታት ዘካይድ ዘሎ፡ ውልቀ-መላኺ፡ ዝቃለስ ዘሎ ወዲ ሃገር እዩ። አቶም ንሱ አብዚ ምሸት እዚ ከቕርቦም ተሓሲቡ ዘሎ አርእስትታት፡ ከምቲ ልሙድ፡ አብ ሰለስተ አርእስቲ ዝተኸፍሉ እዮም። (1)ብዛዕባ እንታውነቱ፡ ማለት ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ፤ (2)ሽግር ህዝብናን ሃገርናን፡ ከምኡ እውን እውነታውን አሉታዊን ምዕባሌታት ተቓውሞ ደንበ ብሓፈሻ፤ (3)አፈታትሓ ሽግር ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ እውን አግባብ አቃላልሳ ተቓውሞ ደንብ፤ ዘቶኮረ ዳአ ይኹን አምበር፡ አቲ ቀንዲ ዛዕባ ናይ ፈንቅል ግን፡ ተራ መንእሰይ አብዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ከምይ ክመሰል አለዎ፡ ዘመልክት እዩ። ፈንቅል ከም መንእሰይ መጠን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ካብ 1999-2002 ተማሃራይ University-Asmera ነበር መጠን፡ ጥልመትን ጭካኔን ውልቀ-መላኺ ሃገርና፡ አብ ህይወቱ ዝተሞኮረ ወዲ ሃገር እዩ። ስለዚ አዚ ብጣዕሚ አገዳሲ ዝኾነ ዛዕባ ከይሓልፈኩም/ክን ምእንቲ፡ ኩሉኹም/ኽን ደቂ ሃገር፡ ዕድመና ተቀቢልኩም/ኪን፡ ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም።
ብዳሓን
ምጹ ....!!
ካብ
ኤርትራውያን፡
አባላት ናይ
ዝተፈላለያ ውድባት፤
በርገሳዊ ማሕበራት፤
ብውልቀ-ተቃወምቲ፡
አብ መራኸቢ ብዙሃን
ፓልቶክ (Paltalk)፡
ብዛዕባ ኵነታት
ህዝብናን ሃገርናን፡
ከምኡ አውን ብአግባብ
አቃዋውማና፡
አንማያየጥን
አንዛተን ደቂ ሃገር።
erfsauo@yahoo.com