አገዳሲ ህዝባዊ
ምልክታ/ ሓበረታ
ዝኸበርኩም/ክን
ደቂ ሃገር:
ብቐዳምነት ልባዊ
ሰላምታና
ይብጻሕኩም:: ከምው'ን
ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ
ብምጥቃም እንቋዕ ናብ 2008
ዓ.ም ንኽንሰጋገር
ኣብቅዓና፡ ዓመት
ሰላምን ፍቅርን፡ ዓመት
ራህዋን ፍትሕን
ክዀነልና ዘሎና ሰናይ
ትምኒት ድማ ንገልጽ።
ቀጺልና፡ ንቀዳም 5
ጥሪ፡ 2008 (Saturday, January, 2008), ስዓት
21፡00 ብናይ ማእከላይ
አውሮፓ አቖጻጽራ:
ተስፋልደት አለም
ማሓረና፡ መስራትን
አቦ ወንበርን ናይ
„asmarino.com“ አብ መራኸቢ
ብዙሓን „Paltalk: Eritrean Room
for strong and united opposation“
ሕዝናልኩም ክንቀርብ
ስለ ዝኾና፡ ምሳና
ክተምስዩ/ያ ብኽብሪ
ንዕድም::
ትሕዝቶ መደረ ሓዉና
ተስፋልደት አለም
ማሓረና፡ አብዚ ምሸት
አዚ፡ አብ ሰለስተ
ነጥቢ ዘጣቓለለ አዩ
ክኽውን። ንሱ ኻእ፤ 1)
ሕጽር ዝበለ ታሪኽ
ህይወቱ፣ ብዛዕባ
አመሰራርታ „asmarino.com“፣
ከምኡ አውን ከም
ማዕከን ዘናን
ሓበረታን መጠን፡
ዘፍረየቶ ፍርያት፣
ዘጋጥማ ዝነበረን
ዘሎን ብድሆታት/ዕንቅፋታት፡
2) ብዛዕባ ህልው
ኩነታት ሃገርናን
ህዝብናን እብ ትሕቲ
ስርዓት ሕግ ኣልቦ፣
ከምኡ አውን ብዛዕባ
አውነታዊን አሉታዊን
ምዕባልታት ተቃውሞ
ደንበ ብሓፈሻ፡ 3)
አፈታትሓ ሽግር
ሃገርናን ህዝብናን፡
ከምኡ*ውን አቀላልሳ
አግባብ ተቃውሞ ደንበ
ከመይ ክኸውን ከም
ዘለዎ፤ ዝሕብር አዩ።
ተስፋልደት አለም
ማሓረና፡ „asmarino.com“
ብምፍጣር፡ አዚ አብ
ሃገርና ዘሎ ውልቀ
መላኺ፡ ስርዓት ሕግ
አልቦ ተአልዩ፡
ብቅዋማዊ፤ አብ ትሕቲ
ግዝአት ሕግ ዝቕየድ፤
መንግሥቲ ንክትካእ፤
ፍትሒ ክነግስ፤
ናጽነት ኤርትራዊ አብ
ትሕቲ ግዝአት ሕጊ
ክረጋገጽ፤ ሰብአዊ
መሰል ክኸብር፤
ዝቃለስን ዘቃልስን
ዘሎ ወዲ ሃገር እዩ።
Asmarino.com ከም ናይ ዜና
ማዕከን መጠን፡
ብስርዓት ሕግ አልቦ
ንዝፍጸም ዘሎ ወንጀል
አብ ልዕሊ ሃገርናን
ህዝብናን ንምቅላዕ፡
ሓቤረታ ኣብ ማሃብ
ጥራይ ዝተሓጸረት
ኣይኮነትን፡ አንታይ
ዳአ፡ አብ መንጎ
ኤርትራውያን ዘሎ
ፍልልያት ብዝርርብ
ክፍታሕ ናይ ዘተ
ባህሊ አተታአታቱ ዘላ
Web-Site አያ። ስለዚ አብ
መደረ ናይዚ ውፉይ
ወዲ ሃገር አዚ
ተኻፈልቲ ክትኮኑ፡
ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን
ኤርትራ አትግደሱ/ሳ
ደቂ ሃገር ብኽብሪ ንዕድም።
ብዳሓን ምጽኡ።
ካብ ግዱሳት
ኤርትራውያን፡ አብ
ዝተፋላለየ ኩርናዓት
ዓለም እንርከብ፡
ብመራኸቢ ብዙሃን „Paltalk“ ኣብ አዳራሽ
„Eritrean room for strong and united opposation“
ብዛዕባ ኩነታት
ሃገርናን ህዝብናን
እንማያየጥን
እንዛተን ዜጋታት። erfsauo@yahoo.com