Start
Editorial ርእሰ ዓንቀጽ
ቤት-ትምህርቲ ጥልመትን ክሕደትን። PDF Print E-mail
Tuesday, 11 November 2008 22:24

ጥልመትን ክሕደትን ኣብ መላእ ዓለም ብኹሉ ፍጡር ዝተፈንፈነትን ጥራይ ዘይኮነት ውግዝቲ ኢያ። በዛ ቃል እዚኣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኮነ ኣብ ናይ እምነት መዳይ ብተደጋጋሚ ትጥቀስን ብብሩህ ክትልለ መግለጺ ክወሃበላን ክትደግገምን እውን ምዕዶን ምኽርን ብተደጋጋሚ ይትረኽ። ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊትን መብረሲትን ስለ ዝኾነት፣ እቶም ብኣኣ ዝተዳህኩን ዝደቐቑን ኢዮም መብርሂታት ክህብላ ዝነብሩ። ኣብ ሓደ ወይ ኣብ ጉጅለ ትፍጸም ትኹን እንበር ዝኸፍአ መፍረሲ ውጽኢታ ኣብ መላእ ሕብረ-ሰብ ዘስርሓ ዘመተን ወፍርን ምስ ዝህሉ ኢዩ። እቶም ወይ እዚ ዘዋፍራ ድማ ፍሉይ ከይተራእየን ከይተሸተተን ከይተዳህሰን ብሓፍሽኩ ናይ ስምዒት መለክዕታት ከየስተብሃሉላን ኣመት ከይገበሩላን ዘተኣታቱ ሜላ ተጠቒሙ ወይ ተጠቒሞም ኢዮም ዘመሓላልፍዋ። 

ንሕብረተ-ሰብ ምብታኑን ተድሊ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ንብረት ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ገቢትካ ትብሕቶ። ቀጺልካ ድማ ኩሉ ንነገራዊ ሃልክታት ዘድልዮ ስሱዕ ኣካል ፈጢርካ ተዋፍሮ። ዝዕደግን ዝለኣኽን ከመይ ገርካ ትዕድጎን ትኸትቦን ተዋፍሮን ዝብል ሜላን ኣሰራርሓን ሰሪትካ፣ ነቲ ዝኸተብካዮ ፍሉይ ኣምልኾትን ንውልቃዊ ርብሓ ኣገልጋልን ብነጻ ዘይሓስብ ኣእምሮ ዘይብሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ መታን ተላኢኹ ከተግብር ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ናይ ምምዛን ምርጫ ክህልዎ የብሉን ዝብል ፍልስፍና ኣርዒድካን ኣብ ነብሱ ዘይተኣማን ክኸውን ይምረጽ። ናይቶም ዝሓለፉ ምልካውያን ቅዲ ከም ኣብነት ብምውሳድ ንኩሉ ሸርሕታቶም ብደቂቕ ድሕሪ ምጽናዕ፣ ከመይ ገይሮም ዕሱባት የጥርዩ ነይሮም ካብ መጻሕቶም ትቐድሕ። ገለ ናቶም ኣገልገልቲ ዝነበሩ እሞ ደም ንጹሃት ዘፍሰሱ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንተ ተኻኢሉ ድማ ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ ገበነኛታት ቀንዲ ናይቲ ትኽተሎ መስመር ህንጻ ትገብሮም። እቶም ተዋፍሮም ሰባት ረቀቕትን ብኹሉ ናይ ግፍዕታትን ሸርሕን ብቕዓቶም ልዑል ክኾኑ ይጥለብ። እቲ ዝፍጸም ገበናት ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ፍሉይ ስምዒት  ንክፈጥር ዝተጸንዐ ሓበሬታ ብምፍናው ኩሉ ከም ዝርዕድን ተነጺሉ ዝነብረሉ ናይ ፍርሒ ህሞት ይዋፈር። መን ንመን ከኣምኖ ዝመልክዑ ዝምድና ኣልቦ ዝኾነ ብቱን ኣንፈት ህዝባዊ ስምዒት ይነግስ። ተጠራጣርን ሰንባድን ምስኡ እውን ንደቀቕቲ ነገራት ዘየስተብል ኣእምሮ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ይበዝሕ። ናይ ምስማዕን ምስትብሃልን ብቕዓት የንቆልቅል። ነፍስ-ወከፍ ካብ ማሕበራዊ ጉዳይ ወጻኢን ዘይምኽኑይን መግለጺታት ተጋኒኑ ይቐርብ። ምንጽጻግን ምንዕዓቕን ይብርክት።  እቶም ንቅድመኻ ዝነበሩ ገዛእቲ ኣብ ገበን ዘእተውዎም ከምኡውን መንገዲ ዘይብሎም  መሳርሕትኻ ትገሮም። በቲ ዝገበቶን ዝመንዘዖን ንብረት፣ በቶም ዝዓደጎም ጉዙኣት ገይሩ ድማ ኣብ ማዕከን ሓበሬትኡ ንህዝቢ ዘዘንብዕን ዘታልልን ብዝያዳ ድማ ማሕበራዊ ምቅርራብ ዝበታትን ፍሉይ ኣቀራርባ ከም ስለቲ እንዳ ለዋወጠ ኢዩ ዝጎጃጅል። ኣብ መለኪዒታት ናቱ ጎሊሑ ዝርኣ ድማ ,,ጽልኢ ኮነ ዘይምርድዳእን ሕንፍሽፍሽን“ ምዝራእ ትብል ከም ቀዳመይቲ ሸቶ ተሰሪዓ ትርከብ። ብሓጺሩ ኣብ ፖለቲካዊ ወፈራ ጎጅጃሎም ትብል ኣምር መበገሲትን መደምደሚትን ጻዊዒት ኢያ።

Last Updated ( Saturday, 15 November 2008 11:12 )
Read more...
 
«StartPrev123NextEnd»

Page 1 of 3
 

ሓተታ Survey

ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣየናይ ዓይነት ቃልሲ የዋጽእ
 

ኣብ መርበብ Online

We have 38 guests online
JoomlaWatch Stats 1.2.8b by Matej Koval

Länder

27%UNITED STATES UNITED STATES
20.4%GERMANY GERMANY
9.6%UNITED KINGDOM UNITED KINGDOM
8.6%SWEDEN SWEDEN
5.9%NETHERLANDS NETHERLANDS

Besucher

Today:  29
Yesterday:  118
This month:  344
Total:  3413