|
Saturday, 27 December 2008 18:09 |
|
ኣቡነ ዲኦስቆሮስ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ናይ ኤርትራ
ኣብ መቓልሕ ይኹን ኣብ ወብሳይትና መቓልሕ-ኤርትራ.ኦርግ፡ ኣብዘን 14 ዓመታት ዕድመ መጽሔትና ብዛዕባ ንሃይማኖታዊ ትካላት ዝምልከት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣልዒልና ኣይንፈልጥን፡ ኣብኡ ኢድና ክንሕውስ’ውን ኣይንደልን። ይኹን’ምበር ኣብ ዘርእይኦ ጠባያት ይኹን ንዓታትን ወይ ንሓዲኤን ዝትንክፍ ክርአ እንከሎ ግን ኢድና ኣጣሚርና ኣይረኤናን። ፋሺሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ገና መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር እናተባህለ እንከሎ „ሓቅን ሕይወትን፡ ንእትበሃል ሃይማኖታዊት መጽሔት ብምኽልካል እዩ’ቲ መሰል ናይ’ዘን ሎሚ ዝገፍዐን ዘሎ ትካላት ክገትእ ዝጀመረ። ቀጺሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ መሰኻኽር የሆቫ ዝውረደ፡ ገሊእቶም ደኣ ብውሽጦም „መወዳድርቶም“ ይዳኸሙሎም ወይ ይጠፍኡሎም ከም ዘለዉ ገቢሮም ርእዮምዎ እምበር፡ ኣዳለውቲ መቓልሕስ ግፍዒ ሸፋቱ ጉጅለ ኢሳያስ ናበይ ገጹ ይጐዓዝ ከም ዘሎ ፈሊጦም፡ „ሎሚ እንተ ዘይተቓወምኩም ጽባሕ ናባኻትኩም ክበጽሕ’ዩ“ እዩ እናበሉ ጻውዒቶም ናብ ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናታቶምን ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ከም ዝበሃል ድማ እነሆ ንርእዮ ኣሎና።
ሽፍታዊ ጉጅለ ኢሳያስ መዓት ህይወታት ዘሳቐየን ዘሳቒ ዘሎን ብዘይግቡእ ዘሕለቐ ወይ ዝቐንጸለን፡ ንዅሉ መሰላት ኤርትራዊ ረጊጹ ባህሊ ኣቦታትና ኣባኺኑ ቁጽጽሩ ኣብ ልዕሊታ መሰረት ሕብረተሰብና ዝዀነት ስድራቤት እውን ከተረፈ ምሰረጋገጸ እነሆ ሎሚ ነቲ ዝተረፈ ኣካላት ሕብረተሰባት ኤርትራ፡ እቶም ናይ ዝሓለፈ ዘበን ዝነበሩ ዕሉላት ናዚ ፋሺሽታ ሂትለርን ሙሶሊኒን ብዘይ ወዓሉዎ ኣገባብ፡ ንሱ ንዅሉ መንፈሳዊ ትካላት ሓደ ድሕሪ ሓደ ንምቍጽጻሩን ናብ መሳርሒኡ ንምልዋጡን ተላዒሉ ይርከብ። ንድልየቱ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ድማ ብዙሓት ዓበይቲ ኣቕሽሽት ሸኻትን ኣማኢታት ተኸተልቲ በበይኑ ዝኾነ እምነትታትን ቀቲሉን ንብዙሓት ድማ ክስዕ ሎሚ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዝሳቐዩን ይገብርን ኣሎ።
እዚ ኵሉ ግፍዕታት’ዚ እናተፈጸመ እንከሎ እነሆ ድማ ሎሚ ብግልጺ ነቶም ካብ’ቲ ጽኑዕ እምነቶም ተበጊሶም ን“መንግስቲ ሰማያት“ እንተ ዘኰይኑ ን„መንግስቲ ዓለም ኣይግዛእን ብኡ ኣይምራሕን“ ዝበሉ ዓቢይ መንፈሳዊ መራሒ ክቡርን ልዑልን ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቀዳማይ ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኑዎም ይርከብ። ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትሓርእ ከም ዝበሃል፡ ግዝኣተ ኣኢሳያስ ዘይሓልፍ ግዲ መሲሉዎም፡ እዚ ኵሉ ግፍዕታት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክፍጸም እናረኣዩ እንከለዉ ድማ እንተዀነ ኣብ ክንዲ ኵሉ ኤርትራዊ ካብኡ ዝተረፈ ግን ኣብ ክንዲ መሰል ምእመናኦም ንመሰል ተኸተልቶም ጠጠው ዝብሉ፡ ኣብ ቅድም’ዚ ዅሉ ዝወርድ ዘሎን ህግደፋዊ ስቅያት፡ ደጋፊ ሽፍታዊ ገዛኢ ኢሳያስ ዝዀኑ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዝተባህሉ ናይ ኤርትራ „ይሁዳ ኣስቆርታዊ“ ድማ ኣብ ቦታ ፓትርያርክ ኩድጭ ቢሎም መሳርሒ ፋሺሽታዊ ጉጅለ ኣስመራ ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ። ሕጂከ ደገፍቲ ህግደፍ ይኹኑ ካልኦት ሕሹኽሹኽ በሃልቲ ተደናገጽቲ ሽፍታውያን ገዛእቲ ህግደፍ እንታይ ይጽበዩ፡ እንታይ ዝበለ ምስምስ ኮን የቕርቡልና ይዀኑ።
|
|
Read more...
|